ኣብ ቤት ፅሕፈት መንገድን ኮንስትራክሽንን መጋዓዝያን ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ዝርከብ ከ/ስ/ህንፃን ዲዛይንን ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም ኣብ ዞባ ምብራቅ ከተማ ውቅሮ ኣብ ጣብያ ደደቢት በዓል 2ተ ደብሪ ቤት ፅሕፈት ከስርሕ ስለዝደለየ ንኩሎም ደረጃ 8ተ ኣናእሽተይ ትካላት ንግዲ DC BC ፍቃድ ስራሕ ዘለኩም ኮንስትራክሽን ሕብረት ሽርክናን ውልቀን ክትጫረቱ ይዕድም፡፡

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ክልተ ኣውላዕሎ

1 ምስክር ወረቀት  ምዝገባ ፍቃድ ንግዲ፣ ኣብ 2011ዓ/ም ዝተሓደሱ መረዳእታታት ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደኣንት ዝተውሃቡ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት፣ ፍቃድ ስራሕ ንግድን ፣ መለለይ ቀቁፅሪ ከፋላይ ግብርን ፣ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት ፣ ፍቃድ ኮንስትራክሽን ፣ ምዝገባ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምስክር ወረቀት፣ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘወራረድሉ መረዳእታ

2 መከበሪ ውሕስና ጨረታ ካብ ዝተፈለጠ ናይ መድሕን ትካል ወይ ካብ ባንኪ ዝወሃብ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ 10000.00 ሽሕ ቅርሺ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

3 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ናይ ህንፃ ስራሕ ፕሮጀክት ስራሕቲ ቦታ ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 545 መዓልቲታት ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም፡፡

4 ኩሎም ተጫረቲ ከጫረትዎ ዘደልዩ በዓል 2ተ ደብሪ ቤት ፅሕፈት ሰነድ ጨረታ ካብ 05/07/2011ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ ከተማ ውቅሮ ዝርከብ ኣድላይ መረዳእታታት ብምሓዝን ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ከገዝኡ ይክእሉ፡፡

5 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 25/07/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 3፡30 ንግሆ ኣብ ቢሮ መንገድን ኮንስትራክሽንን መጋዓዝያን ወረዳ ክልተ ኣውላዕሎ 4ይ ደብሪ ቁፅሪ 5 ክክፈት እዩ፡፡

6 እቲ ከይዲ ስራሕ ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344-430380 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል እዩ፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo