ትካልና ዩናይትድ ስቲልን ሜታልን ኢንዱስትሪ ሓ/ዝ/ዉ ማሕበር ኣብ ውሽጢ ፋብሪካ ግቢ ናይ ተፋሰስ ስራሕ ዘድሊ ማተሪያል ብትካልና ከቅርብ ኮይኑ ዝርዝር ስራሕ ከምዝስዕብ ይከውን፡፡

ዩናይትድ ስቲልና ሜታል ኢንዱስትሪ ሃ.የተ .የግል ማህብር

1 ዝንደቅ መንደቅ ንውሓቱ 780 ሜትሮ፣ ርጉዲ 40ሳ.ሜ፤

2 ናይ ዲች ታሕታዋይ መሬት ስላብ ንውሓቱ 390 ሜትሮ፣ ርጉደቱ 15ሳ.ሜ፣ ጎኑ 120ሳ.ሜ

3 ናይ ዲች ላዕላዋይ ክዳን ስላብ ንውሓት 390ሜ፣ ርጉደቱ 12 ሳ.ሜ ፣ ጎኑ 120 ሳ.ሜ

4 ናይ መሬት ኳዕቲ ስላብ /Excavation & back filling/ ቁመቱ 390 ሜትር ኮይኑ ናይ ኢድ ሓደ / ናይ ጉልበት ዋጋ/ ጥራይ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ፡፡

ስለዝኮነ ኣብዚ ጨረታ ክትሳተፉ ትደልዩ ተወዳደርቲ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ተከታታሊ መዓልታት መቐለ ላጪ ሱር ኮንስትራክሽን ፊት ለፊት ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ብምምፃእ ሰነድ ጨረታ ምግዛእ ትክእሉ  ምዃንኩም ንሕብር፡፡

ዝርዝር ረቋሒታት

1 ተጫረቲ ሕጋዊ ዝኮነ በዚ ዘርፊ ንግድ ፍቃድ ዘለዎምን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈሉን ንዘሓደሱ ክኮን ኣለዎም፡፡ነዚ ምርግጋፅ ኦርጂናልን ኮፒን መረዳእታ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

2 ተጫረቲ በቲ ዘርፊ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለዎም ክኮኑ ኣለዎም፡፡

3 ተጫረቲ ናይ ንግዲ ምዝገባ ቁፅሪ ወይ ቲን ናምበር ክህልዎም ኣለዎም፡፡

4 ሰዓራይ ተጫረቲ ሕጋዊ ደረሰኝ ከቅርብ ዝክእል ክከውን ኣለዎም፡፡

5 ተጫረቲ ዘቅርብዎ ሰነድ ኦርጂናልና ኮፒን ብፖስታ ዝተዓሸገ ክኮን ኣለዎም፡፡

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ብር 10.00 ብምክፋል መቐለ ላጪ ኮንስትራክሽን ፊት ለፊት ኣብ ዝርከብ ፋብሪካና ብምምፃእ ኣበ መምርሒ ፋይናንስ መሊእኩም ምዕዳግ ትክእሉ ምዃንኩም ንሕብር፡፡

7 እቲ ጨረታ ካብ ዕለት 25/03/2019 ዓ.ም.ፈ  ሰዓት 9፡00 ተዓፅዩ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላት አብ ዘለዉሉ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 9:30 ይክፈት ክርከቡ ዘይክእሉ ተጫረቲ ኣብ ዘየለዉሉ ይክፈት፡፡

8 ትካልና ዝሐሸ ኣማራፂ እንተረኪቡ ብክፋል ኮነ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0342-410009 ምድዋል ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo