ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ጨረታ ፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ከሰልጥን ስለ ዝደሊ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ማእኸል ሐወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ፋይናንስን ምምሕዳርን ንማእኸልና ግልጋሎት ዝዉዕል ዶኩሜንታሪ ፊልሚ ብትግርኛ፣ ብኣማርኛን ብኢንግሊዝኛን 1:30 (ሐደ ሰዓትን ፈረቃን ) ዝወስድ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።

ማሕበር ልምዓት ትግራይ ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ሰሙናዊ ፕሮግራም ፈነወ ቴሌቪዢን ማልት ኣለዋ እዚ መደብ ኣብ ምምሕያሽ ፅሬት ትምህርቲ ምምዕባል ባህልን ቋንቋን ናይ ባዕሉ እጃም ዘለዎ ኮይኑ ዝሓለፈ ዓመት ዶክመንተሪ ማለት እውን ሰነዳዊ ፊልም ስራሕቲ ማልት፣ ውድድር ተምሃሮ 2ይ ብርኪ፣ ተኸተታሊ ድራማ ክጋውሑ ሓግዮም እዮም ። ሰለዝኮነ ኣብዚ ዓመት እውን ምስ ኤጀንሲ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ትግራይ ብምትሕብባር ነዚ ዓመት ዝሰርሖ ዝነበረ ስራሕቲ አጠናኺሩ ክቅፅለሉ ስለዝደለየ ማለት እውን ኣብ ምጥንኻር ፅሬት ትምህርቲን ምምዕባል ባህልን ቋንቋን ዝሕግዙ ዓመታዊ ፕሮግራማት ንምድላው ዝስዕቡ ረቃሒታት እተማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንኽትጫረቱ ይዕድም።