ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ DRDIP ኣብ ጣብያ ማይ ኩሕሊ ቁሸት ፍቃ መቂዕ ማለት ማእከል ከተማ ንዝስራሕ ናይ መስተ ማይ ዝርገሐ ከስርሕ ስለዝደለየ ብናይ ዝርገሐ መስተ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

1 ኣብ ዝርገሐ መስተ ማይ ስራሕቲ ንግዲ ፍቃድ ደረጃ 6ተ ልዕሊኡን ዘለኩም ኮንትራክተራት ሙሉእ መረዳእታ ናይ 2010 ግብሪ ዝኸፈልኩምሉ (ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም) ፣መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለኩም

2 ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩምን ናይ ወርሒ ሕዳር ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበረሉ መረእታ ከቅርብ ዝክእል ክምኡውን ብቢሮ ሃፍቲ ማይ ዝተሓደሰ ብቅዓት መረጋገፂ ዘቀርብን ዝተሓደሰ ናይ ደአንት ብርኪ ወረቀት ምስክር ከቅርብ ዝኽእል፤ ካልኦት ኣድለይቲ ሰነዳት ብኮንትራክተራት ዝተማልአ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ነንበይኖም ብምዕሻግ ክልቲኦም ፖስታታት ኣብ ሓደ ዓብይ ብምግባር ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ናይ ተጫረቲ ማህተምን ሽምን ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ኣለዎም።

3 ተጫረቲ ኣብ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀረቡ ቅጥዕታት መሊኦም ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰነድ ፈሪሞምን ማህተም ገይሮምን በቀደም ሰዓብ ከየጓደሉ ከቅርቡ ኣለዎም። ዝተጋደለ ብእርሳስ ዝተመልአን ቅደም ሰዓቡ ዝተዛበዕን ሰነድ ጨረታ ካብ ጨረታ ወፃኢ ይገብር።

4 ኣብ እዋን ጨረታ ኣድላይቲ ዝኾኑ ሰነዳት ከቅርብ ዝኽእል፤

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቁፅሪ 4 ክትወሰዱ ትክእሉ።

6 ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ ብጥረ ገንዝብ ወይድማ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ስፒኦ ንሕድሕድ ሰነድ 7000.00 ሽሕ ቅርሺ፣ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ክተትሕዙ እትክእሉ፤

7 ናይ ስራሕቲ ማይ ተጫረቲ ስዒርካ ተባሂሉ ካብ ዝተነገረሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3ተ መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ዝኽእልን፣ ከምኡውን ካብቲ ዝሰዓረሉ ጠቅላላ ዋጋ 10% ከትሕዝ ዝኸእል፤

8 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

9 እቲ ጨረታ 20/05/2011- 11/06/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:30 አብ አየር ይፀንሕ። እዚ ጨረታ 11/06/2011ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ እውን ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስ ወረዳ ታሕታይ ኣዲያቦ ይክፈት።ተወዳደርቲ ብዘይምርካቦም ሰነድ ጨረታ ካብ ምክፋት ኣይተኣጋገልን፤

10 ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345-500231/0345-500005 ደዊልኩም ምሕታት ይከኣል።


ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo