ምልክታ ንሊዝ ጨረታ ቑፅሪ 55 ሰዓርቲ

ቤት ፅሕፈት ከተማ ልምዓት ከተማ መቐለ

ቤት ፅሕፈት ከተማ መቐለ ሰዓርቲ ሊዝ ጨረታ ቑፅሪ 55 ነፂሩ ኣሎ፡፡ ስለዚ ሰዓርቲ ካብ 22/10/2007 ዓ/ም ክሳብ 19/10/2007 ዓ/ም ኣብ ዘሎ 10 ናይ ስራሕ መዓልትታት ቀሪብኩም ቕድምያ ክፍሊት ብምፍፃም ውዕሊ ክትኣስሩ ናይ ተጠቃማይነት ምስክር ወረቐትን ሳይት ፕላንን ክትወስዱ እናገለፅና ኣብ ዝተጠቀሰ እዋን ቀሪቦም ግቡኦም ኣብ ልዕሊ ዘይፈፀሙ ሰዓርቲ ብመሰረት መምርሒ ሊዝ ስጉምቲ ከምእንወስድ ነፍልጥ፡፡ ብካልእ ወገን ድማ 1 ደረጃ ሰዓራይ ውዕሊ እንተዘይፈፂሙ 2 ደረጃ ሰዓራይ፣ 2 ደረጃ ሰዓራይ ውዕሊ እንተዘይፈፂሙ ድማ 3 ደረጃ ሰዓራይ ብናይ 1 ደረጃ ዝሰዓሮ ዋጋን ሐዚ ክከፍሎ ዝወሰኖ ቅድሚያ ክፍሊት መሰረት ውዕል ንምእሳር ዝከኣል ኮይኑ እዚ ዝፍፀም ድማ 2 3 ደረጃ ሰዓርቲ ብናይ ባዕሎም ድሌት ብማመልከቻ እንተመልክቱ እንተለው ጥራሕ እዮም፡፡ ብተወሳኺ ብዛዕባ ውድድር ሊዝ ሓበሬታ እንተደልዩ ብመርከብ ሓበሬታ http://www.mekelleadministration.gov.et; http://www.mekellecity.gov.et ከምኡ እውን http://www.milkta.com ከተማ መቐለ ምርኣይ ይከኣል፡፡

ምስ ሰላምታ

 

ኣለም ግርማይ ገ/ፃድቅ

መ/ከ/ስ/መ/ም/ማንጅመንትን

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo