ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ፣ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ንሰራሕተኛታቱ ናይ ዓይኒ ሕክምና ግልጋሎት ንምርካብ ብግልፂ ጨረታ ከወዳድር ስለዝደለየ ካብዚ ቀፂሉ ዘሎ መስፈርቲ እተማለኡ ተካላት ክትዋዳደሩ ንዕድም።

ኤንተርፕራይዝ መፅናዕቲን ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ

1 ናይ 2010ዓ/ም ዝተሓደሰ ሕጋዊ ፈቃድ ኮፒ ከተሓሕዙ እትኸእሉ

2 ካብ ዝምልከቶ ኣካል ዝተውሃበኩም ናይ ብቅዓት መረጋገፂ መረዳእታ ክተቕርቡ እትኽእሉ

3 ቫት ተመዝጋቢ ተኾይኖም ናይ ቫት ሰርቲፊኬት ኮፒን ዘቕረብዎ መወዳደሪ ዋጋ ቫት ዝሓወሰ ክኸውን ኣለዎ።ቲኦቲ ምዙግብ እንተኾይኖም እውን ዘቕረብዎ ዋጋ ቲኦቲ ዝሓወሰ ከኸውን ኣለዎ።

4 ሰዓራይ ምዃኖም እንተፈሊጦም ኣብ ውሽጢ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልታት ውዕሊ ኣሲሮም ሰራሕ ክጅምሩ ዝኽእሉ፤

5 ጨረታ ኣብ ኣየር ዝፀነሓሉ ግዜ ካብ ዕለት 28/01/2011-12/02/2011ዓ/ም ኾይኑ ዕለት 12/02/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ ተዓሺጉ ሰዓት 9:00 ይኽፈት።

6 ትካልና ካልእ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁ 0344-418556/0914-786075 ምርካብ ይከኣል።

ዓይነት ምርመራ

ተ.ቁ ዓይነት ንብረት
1 ካርዲ ምዝገባ
2 ብኮምፒተር ናይ ርሕቐት መነፀር ምርመራ
3 ናይ ዓይኒ ግፌት
4 ናይ ሰካር ዓይኒ ውሽጢ ደይሌቴሽን
5 ከቢድ መጥባሕቲ
6 ናይ ዓይኒ ምንሽውራር
7 መለስተኛ መጥባሕቲ
8 መደቀሲ 1ይ ደረጃ
9 መደቀሲ 2ይ ደረጃ
10 ካብ ዓይኒ ውሽጢ ፍንጣሪ ምውፃእ
11 ኣብ ዓይኒ መርፍእ ምውጋእ
12 ኣብ ዓይኒ ውሽጢ ዝኣተወ ኣሲድ፣ኬምካል ምሕፃብ
13 ዝተወቅዐ ዓይኒ ምዕሻግ
14 ዋጋ ሌንሰ
  • -ናይ ንባብ
  • -ናይ ርሕቐት

ካብ-----------ክሳብ------––

15 ዋጋ ፍሬም ካብ-----------ክሳብ---------

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo