ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቤት ፅሕፈት ከተማ ልምዓት ከተማ መቐለ ከተማ ናይ ከተማ ቦታ ብሊዝ ንምሓዝ ብዝወፀ ሊዝ ደንቢ ቑፅሪ 76/2005 ከምእውን መምርሒ ቑፅሪ 5/2006 መሰረት ንንግዲ፣ ንህቴል፣ ንመንበሪ፣ንከተማ ሕርሻግልጋሎት ዝውዕል 200 ቦታታት ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ፣ ሓወልቲ፣ ዓይደር፣ ሓድነትን፣ ኲሓን፣ሰሜንንኣዳልዩ ብሊዝ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከመሓላልፍ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ከተማ ልምዓት ከተማ መቐለ

ቑፅሪ_______________

ዕለት______________

ናይ መሬት ሊዝ ጨረታ ቁፅሪ 53

ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቤት ፅሕፈት ከተማ ልምዓት ከተማ መቐለ ከተማ ናይ ከተማ ቦታ ብሊዝ ንምሓዝ ብዝወፀ ሊዝ ደንቢ ቑፅሪ 76/2005 ከምእውን መምርሒ ቑፅሪ 5/2006 መሰረት ንንግዲ፣ ንህቴል፣ ንመንበሪ፣ንከተማ ሕርሻግልጋሎት ዝውዕል 200 ቦታታት ኣብ ክፍለ ከተማ ዓዲ ሓቂ፣ ሓወልቲ፣ ዓይደር፣ ሓድነትን፣ ኲሓን፣ሰሜንንኣዳልዩ ብሊዝ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከመሓላልፍ ይደሊ፡፡

መተሓሳሰቢ

  1. ንጨረታ ዝቐርቡ ቦታታት ዝርዝር መግለፂ ዝምልከት ኣብ ኩለን ክፍለ ከተማ፣ ኣብ ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ከተማ ነበር ኣብ ሓዱሽ ህንፃ ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ከምእውን ኣብ ንሊዝ ግልጋሎት ጥራሕ ኣብ ዝተዳለወ መለጠፊ ምልክታ ብተወሳኪ ኣብ መርበብ ሓበሬታ http://www.milkta.comhttp://www.mekele city.gov.et,     http://www.mekelleadministration.gov.etምርኣይ ይከኣል፡፡

  2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ሓድሽ ህንፃ /ኣግኣዚ ኦፕሬሽን/ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ምልማዕ መሬትን ማኔጅመንትን ብምቕራብ ካብታሕሳስ07/2007 ዓ/ም ክሳብ ታሕሳስ20/2007 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓታት ዘይምለስ ብር 150.00 /ሓደ ሚኢትን ሓምሳን ብር/ ኣብ በቢ ክፍለ ከተምኡ ትልምን ፋይናንስን ቤት ፅሕፈት እናኸፈልኩም/ክን ቅድሚ ናይቲ ሳንዱቕ ጨረታ መዕፀዊ ክሳብ ሰዓት 9፡00 ሰነድ ምግዛእ ትኽእሉ/ላ ምዃንኩም/ክን እናገለፅና እቲ ጨረታታሕሳስ20/2007 ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ተዓፅዩ ታሕሳስ21/2007 ዓ/ም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ንጉሆ ሰዓት 3፡00 ኣብ ኣብ ነባር ማዘጋጃቤት ነበር ወይ ድማ ኣብ ከተማ ምምሕዳር ኣግኣዚ ህንፃ ኣዳራሽ ይኽፈት፡፡

  3. ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ እንተነኣሰ 5% ናይ ዝመረፅዎ ስፍሓት ቦታ ክራባሕ ምስ መበገሲ ዋጋ ኮይኑ ዝተረክበ ውፅኢት ብስፒኦ ጥራሕ ከቅርቡ ኣለዎም፡፡

  4. ተጫረቲ ካብቲ ናይ ቦታ መርኣይ ሳይት ፕላን ዝተዳለወ ብምምራፅ ቦታ ቑፅሪ/ኮድ/ ስፍሓት ብሜትር ካሬ፣ ንሓደ ሜትር ካሬ ዝገዝእዋ ዋጋ ከምእ’ውን ጠቕላላ ዝከፍልዎ/ኦ መጠን ገንዘብ ከምእውን ዝከፍልዎ/ኦ ቅድሚያ ቅድመ ክፍሊት ብሚኢታዊ (%) መጠን ገንዘብ ዝፍፅምዎ ዓመታዊ ክፈሊቶምን ብምግላፅ ኣብ ዝዓደግዎ ሰነድ ባዕሎም ክመልኡ ይግባእ፡፡

  5. ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ተወከልቶም ናይ ቀበሌ መለለይ ካርዲ፣ ኣብ ዝዓደግዋ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝተትሓዘ ሳይት ፕላን ሓባሪ ሓበሬታ መሬት ከምዘሎ ኮይኑ ነቲ ቦታ ዝሓረይዎ ዘቅረብዎ ዋጋ ብኣሃዝን ብፊደልን ብምፅሓፍ ኣብ ኹሉ ዝዓደግዎ ሰነድ ገፃት ሙሉእ ሽሞም ፊርምኦም ኣድራሽኦም ስልኪ ቑፅሮም ብምምላእ ብተወሳኪ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝዓደግሉ ኦርጅናል ደረሰኝ /ፃዕዳ/ ከምእውን ዘትሕዝዎ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ናይ ጨረታ መኽበሪ ሲፕኦ ንሊዝ ጨረታ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ካብ ዕለት 07/04/2007 ዓ/ም ክሳብ 20/04/2007 ዓ/ም ኣብ ዘሎ እዋን ከእትውዎ ኣለዎም፡፡

  6. ብተወሳኪ ተጫረቲ ኣብ ርእሲ እቲ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ /ፖስታ/ ሙሉእ ሽሞምን ናይቲ ዝመረፅዎ ዝወዳደርሉ ቦታ ቑፅሪ /ኮድ/ ክፅሕፉ ኣለዎም፡፡

  7. ኩሉ ዓመታዊ ክፍሊት ሊዝ ብሔራዊ ባንክ ብዘቐመጦ መጠን ወለድ ሓዊሱ ዝኽፈል እዮ፡፡

  8. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

  9. ዘመን ግልጋሎት ዓይነት

  • ንንግዲ /ድርጅት/ ንኣመዝመንት ፖርክን መኽዘንን ግልጋሎት ዘመኖም 70 ዓመት እንትኸውን ክፍሊት መጠናቀቂ እዋን ድማ 30 ዓመትን ትሕቲኡን እዩ፡፡

  • ንመንበሪ ዝተዳለው ቦታታት ናይ ግልጋሎት ዘመኖም 99 ዓመት ኮይኑ መክፈሊ እዋን ድማ 50 ዓመትን ትሕቲኡን እዩ፡፡

  • ንከተማ ሕርሻ ዝተዳለው ቦታታት ናይ ግልጋሎት ዘመኖም 15 ዓመት ኮይኑ መክፈሊ እዋን ድማ 7 ዓመትን ትሕቲኡን እዩ፡፡

  • ንቤት ትምህርትን ኣፀደ ህፃናትን ዝተዳለው ቦታታት ናይ ግልጋሎት ዘመኖም 99 ዓመት ኮይኑ መክፈሊ እዋን ድማ 50ን ትሕቲኡን እዩ፡፡

  1. ኣገዳሲ ሓበሬታ ስርዓት ውድድር ጨረታ ሊዝ

1. ንፈለማን ንካልኣይን ጊዜ ዝወፀ ጨረታ ብውሑድ 3 ተወዳደርቲ እንተዘይቀሪቦም እቲ ጨረታ ይስረዝ ንሳልሳይ ጊዜ እንትወፅእ ግን ግቡኡ ዘማልኣ ዋላ ሓደ ተጫራታይ ክስዕር ይኽእል እዩ፡፡

2. ኣብ’ዚ ጨረታ ተዓወቲ ንምውሳን እዞም ዝስዕቡ መመዘኒ ነጥብታት ይምዘኑ፡፡

ሀ. ነንሕድሕድ ቦታ መበገሲ ዋጋ ዝተቀመጠሉ ኮይኑ ብተወዳደርቲ ዝቀርብ ናይ ሓደ ሜትር ካሬ (ሜ2) ዝለዓለ ነፀላ ዋጋ 80% ይምዘን፡፡

ለ. ልኹሉ ዓይነት ግልጋሎት ቅድመ ክፍሊት 20% ይምዘን፡፡

  • ካብዚ ንላዕሊ ዝተቀመጡ ሓፈሻዊ መወዳደሪ ረቑሓታት መሰረት

  • ነፀላ ዋጋ ንሓደ ሜትር ካሬ (ሜ2) - 80% ይምዘን

  • ቅድመ ክፍሊት ሜትር ካሬ (ሜ2) - 20% ይምዘን

ጠቕላላ ድምር 100%

ኣብነት

ንመንበሪ ግልጋሎት ኣብ ዝቀረበ ቦታ ሰለስተ ሰባት ተወዳዲሮም ኣለው፡፡ ናይቲ ቦታ መበገሲ ዋጋ ብር 1248.00 ዝነኣሰ ቅድመ ክፍሊት ድማ 20% እዮ፡፡ ሰለስቲኦም ሰባት ዘቅረብዎ ዋጋን ቅድመ ክፍሊትን ከም ዝስዕብ ይመስል፡፡

ተጫረቲ

መበገሲ ዋጋ

ቅድመ ክፍሊት

ገብረ

1300

50%

ናስር

1500

40%

ሃይኩባንያ

1400

30%

ብመሰረት መምርሒ ሊዝ መበገሲ ዋጋ ብ80% እንትምዘን ቅድመ ክፍሊት ድማ ብ20% ይምዘን፡፡

ሀ/ ስለዚ ብመስርሕዝለዓለ መበገሲ ዋጋ

1. ናስር = 80/80

2. ሃይኩባንያ = 74.7/80

3. ገብረ = 69.3/80

ለ/ ዝለዓለ ቅድመ ክፍሊት ብቅደም ሰዓብ

1. ገብረ = 20/20

2. ናስር = 16/20

3. ሃይኩባንያ = 12/20

ስለዚ ካብ ሰለስቲኦም ተጫረቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ብምድማር ጥቕሉል ሰዓራይ ይንፀር፡፡

ተጫረቲ

መበገሲ ዋጋ 80%

ቅድመ ክፍሊት

20%

ጠቕላላ ውፅኢት

100%

ገብረ

69.3

20

89.3

ናስር

80

16

96

ሃይኩባንያ

74.7

12

86.7

  • በዚ መሰረት ቀዳማይ ናስር ካልኣይ ገብረ ሳልሳይ ድማ ሃይኩባንያ ሰዓርቲ ኮይኖም ኣለው፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344-410765 ደዊልኩም ርከቡና፡፡

የንብቡኒ

ሀ) ተጫረቲ ክፈልጥዎም ዝግብኡ ጉዳያት

  1. ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ሽም ፊርማኦም ናይ መንበሪ ኣድራሻን ቴሌፎንን ኣብ ዝተዳለው ሰነዳት ኣብ ኹሎም ገፃት ክፅሓፉ ኣለዎም፡፡

  2. ተጫረቲ ዝተደንገጉ ሕግታት ዝኸበሩ ምዃኖምን ሕጊ ተሓላሊፎም እንተተረኺቦም ድማ ተሓታቲ ምዃኖም ክፈልጡ ኣለዎም፡፡

  3. ተጫረቲ ንጨረታ ዘቅረብዎ ዋጋ ብኣሃዝን ብፊደልን ክፅሓፉ ከምዝግባእ ብፊደልን ብኣሃዝን ዝተፅሓፉ ኣፈላላይ እንተፈጢሮም ብፊደል ዝተፅሓፈ ቅቡል ይኸውን፡፡

  4. ኣብ መጠን ግዝኢት ሰነድ ጨረታ ብዝኾነ መልክዑ ገደብ ኣይህሉን፡፡ ኮይኑ ግና ሓደ ተጫራታይ ንሓደ ቦታ ካብ ሓደ ሰነድ ጨረታ ንላዕሊ ምዕዳግ ኣይክእልን፡፡

  5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ሰነድ መሊኦም ኣብ ሳንዱቕ ጨረታ ድሕሪ ምእታዎም ሰነድ ብምስራዝ ኣብ ክንድኡ ካሊእ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእትው ኣይክእሉን፡፡

  6. ውሕስና ጨረታ ክትሓዝ ዘለዎ ኣግባብ ኣቀራርባ CPO ድማ ጠቕላላ ስፍሓት ናይ ቦታ ምስ ብመ/ቤት ዝቀረበ መበገሲ ዋጋ ተራቢሑ ዝተረከበ ውፅኢት ኮይኑ ካብ 5% ዝንእስ ክከውን የብሉን፡፡

ኣብነት፡- ብመስሪያቤት ዝቀርበ መበገሲ ዋጋ፡- 1500.00/ሓደ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢቲን/ብር ንሜትር ካሬ እንተኮይኑ

  • ተጫራታይ ንውድድር ዝሓረዩ ቦታ ስፍሓት ድማ 140 ሜትር ካሬ እንተኮይኑ

  • 1500.00 X 140 ሜትር ካሬ = 210,000.00 (ክልተ ሚኢቲን ዓሰርተ ሽሕ ብር እንተኮይኑ)

= 210,000 X 5/100 = ብር 10500.00 (ዓሰርተ ሽሕን ሓሙሽተ

ሚኢቲን) ብ CPO ተሰሪሑ ዝተሓዝ ገንዘብ ይኸውን ማለት እዩ፡፡

  1. ኣብ ውፅኢት እቲ ጨረታ ካልኣይን ሳልሳይን ዝወፁ ተጫረቲ ሰዓራይ ቀሪቡ ውዕሊ ምውዓሉ ክሳብ ዝረጋገፅ ሰዓራይ እንተዘይቀሪቡ ወይ ውፅኢቱ እንተዘይፀዲቑሉ ቀዳማይ ሰዓሪ ብዘቐመጦ ዋጋ ነቲ ቦታ ንምቅባል ድሌት እንተሃልይዎም ብማመልከቻ ንጉጅለ ፈፃሚ ጨረታ እንድሕር ገሊፆም ዘትሓዝዋ ሲፒኦ እንተይተመለስ ተመዝጊቡ ክፀንሕ ይክእል፡፡ እንተዘይ ኮይኑ ሲፒኦ ይምለሰሎም

  2. ንሰዓራይ ውፅኢቱ ካብ ዝተገለፀሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ስራሕ ቀሪቡ ቅድመ ክፍሊት ብምፍፃምን ተደላይ ቅድመ ኩነት ብምምላእ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡፡

  3. ቀዳማይ ሰዓራይ ኣብ 10 መዓልቲ ውሽጢ ውዕል እንተዘይፈፂሙ ኣብ ውሽጢ ተወሰክቲ ሰለስተ (3) መዓልቲ ስራሕ ቀሪቡ ቅድመ ኩነት ኣማሊኡ ውዕሊ ንክፍርም ብምልክታ መጠንቀቅታ ይወሃቦ፡፡

  4. ኣብ ተራ ቑፅሪ 9ተ ከምዝተጠቀሰ ተወሳኪ መዓልትታት ስራሕ ተፈቂድሉ ቀሪቡ ቅድመ ክፍሊት እንተዘይፈፂሙ እቲ ቦታ ከምዘይደልዩ ተቆፂሩ ኣብ ስፒኦ ዘትሓዞ መክበሪ ጨረታ ገንዘብ ነቲ ከተማ ኣታዊ ይግበር፡፡

  5. ካልኣይ ንዝወፀ ተጫራታይ እቲ ቀዳማይ ተጫራቲ ብዘቀመጦ ዋጋ ተመሳሳሊ ፡መፀዋዕታ 3ተ መዓልቲ ብምግባር ቅድመ ኩነት ከማልእን ውዕሊ ክፍፅምን ይግበር፡፡

  6. ካልኣይ ንዝወፀ ተጫራታይ ኣብ ዝተውሃቦ ጊዜ ገደብ ውሽጢ እንተዘይቀሪቡ ዘትሓዞ CPO ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይግበር፡፡ ሳልሳይ ንዝወፀ ተጫራቲ ተመሳሳሊ ዕድል ይውሃቦ እዚ እንተዘይተሳኺዑ እቲ ጨረታ ይስረዝ እቲ CPOድማ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይግበር፡፡

  7. ብምልክታን ብፅሑፍን መፀዋዕታ ካብ ዝቐረበሉን ዝተገለፀሉን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ቀሪቡ ኣገባብ ምስ ዘለዎ ኣካል ውዕሊ ሊዝ ክውዓዓል ኣለዎ፡፡

ለ/ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃእን ተጠያቕን ዝኮነሉ ኣገባብ

1. ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እንተየማልኣ እንተተሪፉ

2. ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሰዓራይነቱ 2 ጊዜ ተገሊፁ እንተብቅዕ ቀሪቡ ብዘይ ምውዕዓሉ ጨረትኡ ዝተሰረዘ፡፡

3. ቅድም ኢሉ ኣብ ዝወሰዶ ቦታ ህንፀት ብዘይምፍፃሙ መሬት ዝተሓደገ እንተኾይኑ

4. ባዶ መሬት ትሕቲ ፍርቂ ህንፀት 3ተ ጊዜ ናብ 3ይ ወገን እንተሕሊፉ (እንተሸይጡ)

5. ንመክበሪ ጨረታ ካብ ዝተጠየቐ መጠን ገንዘብ ንታሕቲ እንተቅሪቡ

6. ዝተጭበርበረ ክፍሊት መኣዘዚ ዘቕረበ

7. ዝተጭበርበረ ናይ ውክልና መረዳእታ ዘቕረበ

8. ንሓደ ቦታ ክልተ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘቅረበ

9. ሓደ መክበሪ ሰነድ ጨረታ ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ጨረታ ቦታ ዘቕረበ

10. ኣብ ልዕሊ ጨረታ ሰነድ ዝኾነ ናይ ምጭብርባር ተግባር ዝፈፀመ

11. ዝተፈላለየ ሓላፍ ንምርካብ ወይ ጨረታ ንምስዓር ንዝኾነ በዓል ስልጣን ወይ ሰራሕተኛ መደለሊ ብላዕ ምሃቡ ወይ ንምሃብ ሓሳብ ምቕራብ ብዘእምን ኩነታት ዝተረጋገፀ፡፡

12. ዝኾኑ ተጫረቲ ኣብ ኸይዲ እቲ ጨረታ ቅሬታ እንተሃልይዎ ቅሬትኡ ናብ ኣካቢ ፈፃሚ ጨረታ ከቕርብ ይክእል፡፡ (ኣብ ሓደ መዓልቲ መልሲ ይህብ) እንተዘይ ኮይኑ ቀፂላ ኣብ ዘላ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ይቀርብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ይኸውን፡፡

ምስ ሰላምታ

ቑፅሪ_______________

ዕለት______________

ናይ ትሕቲ ፍርቂ ህንፀት ዝዓረፎ ቦታ ሊዝ ጨረታ ቑፅሪ -3/53

ናይ ከተማ ቦታ ብሊዝ ንመሓዝ ተመሓይሹ ዝወፀ መምርሒ ቑፅሪ 2/2005 ዓ/ም ዓንቀፅ 59 መሰረት ቅድመ ሐዚ ብሊዝ ጨረታ ቑፅሪ 29 ንውልቀ ሰብ ብሊዝ ተመሓላሊፉ ዝነበረ ቦታ ብእዋኑ ህንፀት ብዘይምጥንቃቁ መንግስቲ ጣልቃ ኣትዩ እቲ ህንፀት ትሕቲ 50% ህንፃ ዝዓረፎ ቦታ ብምዃኑ ምክንያት ብሊዝ ጨረታ ክሸይጥ ይደሊ በዚ መሰረት፡፡

  1. ናይቲ ንሊዝ ጨረታ ዝቀረበ ቦታ ኩነታት

  • እቲ ቦታ ዝርከበሉ ------------------------- ሓድነት ክፍለ ከተማ

  • ናይቲ ከባቢ መፀውዒ ---------------------- ማይገበል ት/ቤት ከባቢ

  • እቲ ቦታ ዝህቦ ግልጋሎት ዓይነት ----------- መንበሪ

  • ናይቲ ቦታ መፍለይ ቑፅሪ /ኮድ/ ------------ k2402

  • ናይቲ ቦታ ስፍሓት ------------------------- 196 ሜትር ካሬ

  1. ናይቲ ቦታ ዝስራሕ ህንፃ ዓይነትን ህንፀት መጠናቀቂ ጊዜን

  • በዓል ሓደ ደብሪ (G+1)

  • ህንፀት መጠናቀቂ ጊዜ ክሳብ ጥሪ 30/2008 ዓ/ም

  1. ናይ ቦታን ጅምር ህንፃን መበገሲ ዋጋ ቅድሚያ ክፍሊት ውዕል ዘመን፣ መክፈሊ እዋንን

  • ናይቲ ቦታን ጅምር ህንፃን መልዓሊ /መበገሲ/ ዋጋ ብር 2916.46

  • ዝተረፎ ናይ ሊዝ ውዕል ዘመን 93 ዓመት

  • ዝተረፎ ናይ ሊዝ ዓመታዊ ክፍሊት መጠናቀቂ ጊዜ 84 ዓመት

  • ሐዚ ዝኽፈል ቅድሚያ ክፍሊት መበገሲ ዋጋ ልዕሊ 20%

  1. እቲ ጅምር ህንፃ ምስ መዋሰንቲ ዘሎ ነፀላ መንደቅ ውስን ክፍሉ ናይዚ ቦታ በዓል መሰብ ብብፅሒቶም ከፊሎምዎ እዮም ዝብል ካብቲ ከባቢ ዝተረክበ ሓበሬታ ኣሎ እንተዘይኮይኑ ንቀፃላይ ናይዚ ጨረታ ሰዓራይ /ሰዓሪት/ ባዕሉ/ለን ዝኸፈሎ/ልኦ ምኳነን ክፍለጥ ይግባእ፡፡

  2. ተጫረቲ መክበሪ ጨረታ (CPO) እንተነኣሰ 5% ናይቲ ስፍሓት ቦታ ክራባሕ ምስ መበገሲ ዋጋ ኮይኑ ዝተረክበ ውፅኢት ኦርጅናል ብስፒኦ (CPO) ጥራሕ ከቅርቡ ኣለዎም/ን

  3. ተጫረቲ እቲ ቦታ ንጅምር ህንፃን ብምርኣይ ምስ ሳይት ፕላንን ብምግንዛብ ንሓደ ሜትር ካሬ ዝገዝእዎ ዋጋ ከምኡ እውን ጠቅላላ ዝከፍልዎ/ኦ መጠን ገንዘብ ከምኡ እውን ዝከፍልዎ/ኦ ቅድሚያ ክፍሊት ብሚኢታዊ (%) መጠን ገንዘብ ዝፍፅምዎ/ኦ ዓመታዊ ክፍሊት ብምግላፅ ኣብ ዝዓደግዎ/ኦ ሰነድ ባዕሎም/ን ክመልኡ/ኣ ይግባእ፡፡

  4. ተጫረቲ ወይ ከዓ ሕጋዊ ተወከልቶም ናይ ቀበሌ መለለይ ካርዲ ኣብ ዝዓደግዎ/ኦ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝተትሓዘ ሳይት ፕላን ሓባሪ ከምዘሎ ኮይኑ ናይቲ ቦታ ዘቅረብዎ/ኦ ዋጋ ብኣሃዝን ብፊደልን ብምፅሓፍ ኣብ ኩሉ ዝዓደግዎ/ኦ ሰነድ ገፃት ሙሉእ ሽሞም/ን ፊርማኦም/አን ኣድራሻ ቑፅሮም/ረን ብምምላእ ብተወሳኪ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝዓደግሉ/ጋሉ ኦርጅናል ደረሰኝ/ፃዕዳ/ ከምኡ እውን ዘትሓዝዎ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ናይ ጨረታ መኽበሪ ስፒኦ ንሊዝ ጨረታ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ካብ ዕለት 07/04/2007 ዓ/ም ክሳብ 20/04/2007 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ጊዜ እዋን ከእትውዎ ኣለዎም/ን

  5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ሓዱሽ ህንፃ /ኣግኣዚ ኦፕሬሽን/ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ኣብ ዝርከብ ናይ ከይዲ ስራሕ መሬት ምልማዕን ማኔጅመንትን ብምቅራብ ካብ 07/04/2007 ዓ/ም ክሳብ 20/04/2007 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምለስ ብር 150.00 (ሓደ ሚኢትን ሓምሳን ብር) እናኸፈልኹም/ክን ቅድሚ ናይቲ ሳንዱቕ ጨረታ መዕፀዊ ክሳብ ሰዓት 9፡00 ሰነድ ምግዛእ ትክእሉ/ላ ምዃንኩም/ክን እናገለፅና እቲ ጨረታ ታሕሳስ 20/04/2007 ዓ/ም ሰዓት 11፡00 ተዓፅዩ ታሕሳስ 21/04/2007 ዓ/ም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ተወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ንጎሆ ሰዓት 3፡00 ኣብ ኣዳራሽ ዞባ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ይኽፈት፡፡

  6. ብተወሳኪ ተጫረቲ ኣብ ርእሲ እቲ ዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ/ፖስታ/ ሙሉእ ሽሞምን ናይቲ ዝመረፅዎ ዝወዳደርሉ ቦታ ቑፅሪ/ኮድ/ ክፅሕፉ ኣለዎም፡፡

  7. ኩሉ ዓመታዊ ክፍሊት ሊዝ ብሔራዊ ባንክ ብዝተቐመጠ መጠን ወለድ ሓዊሱ ዝኽፈል እዩ፡፡

  8. ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕልው እዩ፡፡

  9. ኣገዳሲ ሓበሬታ ስርዓት ውድድር ጨረታ ሊዝ

1. ንፈለማን ንካልኣይን ጊዜ ዝወፀ ጨረታ ብውሑድ 3 ተወዳደርቲ እንተዘይቀሪቦም እቲ ጨረታ ይስረዝ ንሳልሳይ ጊዜ እንትወፅእ ግን ግቡኡ ዘማልኣ ዋላ ሓደ ተጫራታይ ክስዕር ይኽእል እዩ፡፡

2. ኣብ’ዚ ጨረታ ተዓወቲ ንምውሳን እዞም ዝስዕቡ መመዘኒ ነጥብታት ይምዘኑ፡፡

ሀ. ነንሕድሕድ ቦታ መበገሲ ዋጋ ዝተቀመጠሉ ኮይኑ ብተወዳደርቲ ዝቀርብ ናይ ሓደ ሜትር ካሬ (ሜ2) ዝለዓለ ነፀላ ዋጋ 80% ይምዘን፡፡

ለ. ልኹሉ ዓይነት ግልጋሎት ቅድመ ክፍሊት 20% ይምዘን፡፡

  • ካብዚ ንላዕሊ ዝተቀመጡ ሓፈሻዊ መወዳደሪ ረቑሓታት መሰረት

  • ነፀላ ዋጋ ንሓደ ሜትር ካሬ (ሜ2) - 80% ይምዘን

  • ቅድመ ክፍሊት ሜትር ካሬ (ሜ2) - 20% ይምዘን

ጠቕላላ ድምር 100%

ኣብነት

ንመንበሪ ግልጋሎት ኣብ ዝቀረበ ቦታ ሰለስተ ሰባት ተወዳዲሮም ኣለው፡፡ ናይቲ ቦታ መበገሲ ዋጋ ብር 1248.00 ዝነኣሰ ቅድመ ክፍሊት ድማ 20% እዮ፡፡ ሰለስቲኦም ሰባት ዘቅረብዎ ዋጋን ቅድመ ክፍሊትን ከም ዝስዕብ ይመስል፡፡

ተጫረቲ

መበገሲ ዋጋ

ቅድመ ክፍሊት

ገብረ

1300

50%

ናስር

1500

40%

ሃይኩባንያ

1400

30%

ብመሰረት መምርሒ ሊዝ መበገሲ ዋጋ ብ80% እንትምዘን ቅድመ ክፍሊት ድማ ብ20% ይምዘን፡፡

ሀ/ ስለዚ ብመስርሕዝለዓለ መበገሲ ዋጋ

1. ናስር = 80/80

2. ሃይኩባንያ = 74.7/80

3. ገብረ = 69.3/80

ለ/ ዝለዓለ ቅድመ ክፍሊት ብቅደም ሰዓብ

1. ገብረ = 20/20

2. ናስር = 16/20

3. ሃይኩባንያ = 12/20

ስለዚ ካብ ሰለስቲኦም ተጫረቲ ዝተረኸበ ውፅኢት ብምድማር ጥቕሉል ሰዓራይ ይንፀር፡፡

ተጫረቲ

መበገሲ ዋጋ 80%

ቅድመ ክፍሊት

20%

ጠቕላላ ውፅኢት

100%

ገብረ

69.3

20

89.3

ናስር

80

16

96

ሃይኩባንያ

74.7

12

86.7

  • በዚ መሰረት ቀዳማይ ናስር ካልኣይ ገብረ ሳልሳይ ድማ ሃይኩባንያ ሰዓርቲ ኮይኖም ኣለው፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቑፅሪ 0344-410765 ደዊልኩም ርከቡና፡፡

የንብቡኒ

ሀ) ተጫረቲ ክፈልጥዎም ዝግብኡ ጉዳያት

        1. ናይ ተጫረቲ ሙሉእ ሽም ፊርማኦም ናይ መንበሪ ኣድራሻን ቴሌፎንን ኣብ ዝተዳለው ሰነዳት ኣብ ኹሎም ገፃት ክፅሓፉ ኣለዎም፡፡

        2. ተጫረቲ ዝተደንገጉ ሕግታት ዝኸበሩ ምዃኖምን ሕጊ ተሓላሊፎም እንተተረኺቦም ድማ ተሓታቲ ምዃኖም ክፈልጡ ኣለዎም፡፡

        3. ተጫረቲ ንጨረታ ዘቅረብዎ ዋጋ ብኣሃዝን ብፊደልን ክፅሓፉ ከምዝግባእ ብፊደልን ብኣሃዝን ዝተፅሓፉ ኣፈላላይ እንተፈጢሮም ብፊደል ዝተፅሓፈ ቅቡል ይኸውን፡፡

        4. ኣብ መጠን ግዝኢት ሰነድ ጨረታ ብዝኾነ መልክዑ ገደብ ኣይህሉን፡፡ ኮይኑ ግና ሓደ ተጫራታይ ንሓደ ቦታ ካብ ሓደ ሰነድ ጨረታ ንላዕሊ ምዕዳግ ኣይክእልን፡፡

        5. ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ሰነድ መሊኦም ኣብ ሳንዱቕ ጨረታ ድሕሪ ምእታዎም ሰነድ ብምስራዝ ኣብ ክንድኡ ካሊእ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእትው ኣይክእሉን፡፡

        6. ውሕስና ጨረታ ክትሓዝ ዘለዎ ኣግባብ ኣቀራርባ CPO ድማ ጠቕላላ ስፍሓት ናይ ቦታ ምስ ብመ/ቤት ዝቀረበ መበገሲ ዋጋ ተራቢሑ ዝተረከበ ውፅኢት ኮይኑ ካብ 5% ዝንእስ ክከውን የብሉን፡፡

ኣብነት፡- ብመስሪያቤት ዝቀርበ መበገሲ ዋጋ፡- 1500.00/ሓደ ሽሕን ሓሙሽተ ሚኢቲን/ብር ንሜትር ካሬ እንተኮይኑ

  • ተጫራታይ ንውድድር ዝሓረዩ ቦታ ስፍሓት ድማ 140 ሜትር ካሬ እንተኮይኑ

  • 1500.00 X 140 ሜትር ካሬ = 210,000.00 (ክልተ ሚኢቲን ዓሰርተ ሽሕ ብር እንተኮይኑ)

= 210,000 X 5/100 = ብር 10500.00 (ዓሰርተ ሽሕን ሓሙሽተ

ሚኢቲን) ብ CPO ተሰሪሑ ዝተሓዝ ገንዘብ ይኸውን ማለት እዩ፡፡

        1. ኣብ ውፅኢት እቲ ጨረታ ካልኣይን ሳልሳይን ዝወፁ ተጫረቲ ሰዓራይ ቀሪቡ ውዕሊ ምውዓሉ ክሳብ ዝረጋገፅ ሰዓራይ እንተዘይቀሪቡ ወይ ውፅኢቱ እንተዘይፀዲቑሉ ቀዳማይ ሰዓሪ ብዘቐመጦ ዋጋ ነቲ ቦታ ንምቅባል ድሌት እንተሃልይዎም ብማመልከቻ ንጉጅለ ፈፃሚ ጨረታ እንድሕር ገሊፆም ዘትሓዝዋ ሲፒኦ እንተይተመለስ ተመዝጊቡ ክፀንሕ ይክእል፡፡ እንተዘይ ኮይኑ ሲፒኦ ይምለሰሎም

        2. ንሰዓራይ ውፅኢቱ ካብ ዝተገለፀሉ እዋን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ስራሕ ቀሪቡ ቅድመ ክፍሊት ብምፍፃምን ተደላይ ቅድመ ኩነት ብምምላእ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡፡

        3. ቀዳማይ ሰዓራይ ኣብ 10 መዓልቲ ውሽጢ ውዕል እንተዘይፈፂሙ ኣብ ውሽጢ ተወሰክቲ ሰለስተ (3) መዓልቲ ስራሕ ቀሪቡ ቅድመ ኩነት ኣማሊኡ ውዕሊ ንክፍርም ብምልክታ መጠንቀቅታ ይወሃቦ፡፡

        4. ኣብ ተራ ቑፅሪ 9ተ ከምዝተጠቀሰ ተወሳኪ መዓልትታት ስራሕ ተፈቂድሉ ቀሪቡ ቅድመ ክፍሊት እንተዘይፈፂሙ እቲ ቦታ ከምዘይደልዩ ተቆፂሩ ኣብ ስፒኦ ዘትሓዞ መክበሪ ጨረታ ገንዘብ ነቲ ከተማ ኣታዊ ይግበር፡፡

        5. ካልኣይ ንዝወፀ ተጫራታይ እቲ ቀዳማይ ተጫራቲ ብዘቀመጦ ዋጋ ተመሳሳሊ ፡መፀዋዕታ 3ተ መዓልቲ ብምግባር ቅድመ ኩነት ከማልእን ውዕሊ ክፍፅምን ይግበር፡፡

        6. ካልኣይ ንዝወፀ ተጫራታይ ኣብ ዝተውሃቦ ጊዜ ገደብ ውሽጢ እንተዘይቀሪቡ ዘትሓዞ CPO ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይግበር፡፡ ሳልሳይ ንዝወፀ ተጫራቲ ተመሳሳሊ ዕድል ይውሃቦ እዚ እንተዘይተሳኺዑ እቲ ጨረታ ይስረዝ እቲ CPOድማ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ይግበር፡፡

        7. ብምልክታን ብፅሑፍን መፀዋዕታ ካብ ዝቐረበሉን ዝተገለፀሉን ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ቀሪቡ ኣገባብ ምስ ዘለዎ ኣካል ውዕሊ ሊዝ ክውዓዓል ኣለዎ፡፡

ለ/ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃእን ተጠያቕን ዝኮነሉ ኣገባብ

1. ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተዘርዘሩ ረቛሒታት እንተየማልኣ እንተተሪፉ

2. ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ሰዓራይነቱ 2 ጊዜ ተገሊፁ እንተብቅዕ ቀሪቡ ብዘይ ምውዕዓሉ ጨረትኡ ዝተሰረዘ፡፡

3. ቅድም ኢሉ ኣብ ዝወሰዶ ቦታ ህንፀት ብዘይምፍፃሙ መሬት ዝተሓደገ እንተኾይኑ

4. ባዶ መሬት ትሕቲ ፍርቂ ህንፀት 3ተ ጊዜ ናብ 3ይ ወገን እንተሕሊፉ (እንተሸይጡ)

5. ንመክበሪ ጨረታ ካብ ዝተጠየቐ መጠን ገንዘብ ንታሕቲ እንተቅሪቡ

6. ዝተጭበርበረ ክፍሊት መኣዘዚ ዘቕረበ

7. ዝተጭበርበረ ናይ ውክልና መረዳእታ ዘቕረበ

8. ንሓደ ቦታ ክልተ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘቅረበ

9. ሓደ መክበሪ ሰነድ ጨረታ ካብ ሓደ ንላዕሊ ናይ ጨረታ ቦታ ዘቕረበ

10. ኣብ ልዕሊ ጨረታ ሰነድ ዝኾነ ናይ ምጭብርባር ተግባር ዝፈፀመ

11. ዝተፈላለየ ሓላፍ ንምርካብ ወይ ጨረታ ንምስዓር ንዝኾነ በዓል ስልጣን ወይ ሰራሕተኛ መደለሊ ብላዕ ምሃቡ ወይ ንምሃብ ሓሳብ ምቕራብ ብዘእምን ኩነታት ዝተረጋገፀ፡፡

12. ዝኾኑ ተጫረቲ ኣብ ኸይዲ እቲ ጨረታ ቅሬታ እንተሃልይዎ ቅሬትኡ ናብ ኣካቢ ፈፃሚ ጨረታ ከቕርብ ይክእል፡፡ (ኣብ ሓደ መዓልቲ መልሲ ይህብ) እንተዘይ ኮይኑ ቀፂላ ኣብ ዘላ ናይ ስራሕ መዓልቲ ናብ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ይቀርብ ናይ መወዳእታ ውሳነ ይኸውን፡፡

ምስ ሰላምታ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo