ማእኸል ሐወልቲ ሰማእታት ትግራይ ነቲ ማእኸል ንስራሕ ግልጋሎት ዝዉዐሉ

ማእከል ሐወልቲ ሰማእታት ትግራይ

ምልክታ ግልፂ ጨረታ

ማእኸል ሐወልቲ ሰማእታት ትግራይ ነቲ ማእኸል ንስራሕ ግልጋሎት ዝዉዐሉ

  1. እምነበረድ

  2. ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናይ ኢንተረኔት ባትሪታትን አቑሑት

  3. ሕትመታት

  4. ደንቢ ኽዳን

  5. ናይ ቢሮ መጋረጃ ምስ መስቀሊኡን ተሸካምን

  6. ናይ ሐዊ መጥፊኢ ፓዉደር

  7. ናይ ህንፃ ቦንቦን ኣቑሑት

  8. ዕምበባታት

ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ስለ ዝደሊ

1 ናይ 2007 ዓ/ም ንግዲ ፈቃድ ዘሐደሱ ቫት ሬጅስተርድ ዝኮኑ: ናይ ወርሒ መስረም ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ ዘቕርቡ : ኣብ መቕረባይነት ዝተመዝገቡ መረዳእታ ዘቅርቡ ናይ ግብሪ መኽፈሊ ቁፅሪ /TIN/ ዘለዎም ወይ ድማ ምምዝገቦም መረዳእታ ከቕርቡ ዝኽእሉ ነገር ግን ንመጋራጃ : መጥፊኢ ሓዊ : ንህንፃ ቦንቦን ኣቁሑት ቫት ተመዝገብቲ ዘይኮኑ እዉን ምዉድዳር ይኽእሉ እዩም::

2 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ ብር 2000 /ክልተ ሽሕ ብር ብባንኪ ዝተረጋገፀ ብ CPO ከትሕዙ ዝክእሉ::

3 ተጫረቲ በቲ ዝቀረበ ስፐስፌኬሽን መሰረት ፅሬት ዘለዎም ንብረት ከቅርቡ ዝኽእሉ::

4 ዝስዓርዎ ኣቁሑት ብናይ ባዕሎም ትራንስፖርትን ናብ ማሓሰት ከቕርቡ ዝኽእሉ::

5 ተወሳኪ ሓበሬታ ብ ስቁ 0344406392 ደዊልኩም ምሕታት ትኽአሉ::

6 ተጫረቲ ዝወሰድዎ ሰነድ ብጥንቃቐ ብዝተአሸገ ፖሰታ ብምግባር ናይ ትካሎም ማህተም ብምገባር ከቅርቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ ብረ 30.00 /ሰላሳ ብር /ብምኽፋል ካብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማአታት ትግራይ ቢሮ ቁፅሪ 51 ምዉሳድ ይኽእሉ::

8 እዚ ጨረታ ካብ ዕለት 10/ 4 /2007 ክሳብ 24 /4 / 2007 ዓ/ም ኣብ አየር ይፀንሕ::

9 እቲ ጨረታ ዕለት 24 /4 /2007 ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረክብሉ ዘይተረኸብሉን ቢሮ ቁፅሪ 51 ይኽፈት::

10 እቲ መእኸል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo