ንኻልአይ ግዜ ዝወፀ ናይ መስታዎትን ብረትን ጨረታ ቤት ምክሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ትግራይ እዞም ዝስዕቡ ናይ መስታዋትን ብረትን ብጨረታ ኣወዳደዲሩ ክሸይጥይደሊ :: 1 ናይ ገፅ መስታዎት 2 ልሙፅ መስትዋትን 3 LT ብረትን እንትኮን ዝርዝር ሐበሬታ እቶም ክሸጦም ዝደሊ መስትዋትን ብረትን ካብቲ ጨረታ ሰነድ ምርካብ ይካኣል እዩ:: ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠ

ቤት ምክሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ትግራይ

ንኻልአይ ግዜ ዝወፀ ናይ መስታዎትን ብረትን ጨረታ

ቤት ምክሪ ንግድን ዘርፊ ማሕበራትን ትግራይ እዞም ዝስዕቡ ናይ መስታዋትን ብረትን ብጨረታ ኣወዳደዲሩ ክሸይጥይደሊ ::

1 ናይ ገፅ መስታዎት

2 ልሙፅ መስትዋትን

3 LT ብረትን እንትኮን ዝርዝር ሐበሬታ እቶም ክሸጦም ዝደሊ መስትዋትን ብረትን ካብቲ ጨረታ ሰነድ ምርካብ ይካኣል እዩ::

ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተጠቐሱ መለክዕታት ዝተማልኡ ተጫረቲ ክሳብ 15/04/ 2007 ዓ/ም 11:00 ሰዓት አብዘሎ ግዜ ዝተማልአ ሐበሬታ ብምሓዝ ንክትወዳደሩ ንሓትት::

መለክዕታት /ረቆሒታት

1 ናይ መስተዋትን ብረታ ብረትን ስራሕቲ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለኩም::

2 ናይ 2006 ዓ.ም ስራሕ ግብሪ ዝኸፈልኩምን ናይ 2007 ዓም ዝተሸደሰ ንገዲ ፍቃድን ንግዲ ምዝገባን ክትቅርቡ ትክእሉ::

3 ብምንግሰቲ ዝወፀ ሐደሽቲ ናይ ንግዲ ኣዋጃት ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ዝገበርኩምን በቲ ቤት ፅሕፈት ዝቐርበልኩም ዉዕሊ ተቐቢልኩም ዝትፍርሙን ብዉዕሊ መሰረት ትግባራዊ ዝትገብሩን::

4 መኽበሪ ጨረታ ካብቲ ዘቕረብኽምዎ ጠቅላላ ዋጋ 2 % ክትቅርቡ አለኩም እቲ መኽበሪ ጨረታ 2 % ዘየቕረቡ ተጫረትቲ ብቐጥታ ካብቲ ጨረታ ይስረዙ::

5 ጨረታ ንተጫረትቲ ክፈቲ ዝኮነሉ ካብ 01/ 04 /2007 ዓ/ም ጀሚሩ ::

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ ግዜ 15/ 03 2007 ዓም ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቐትሪ ኮይኑ ጨረታ ዝኽፈተሉ እዋን 16/ 03/ 2007 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 4:00 ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ተወከልተም አብ ዝትርኸብሉ እንተይኮኑ ዉነ እቲ ጨረታ ቦርድ ኣመራርሐ ስራሕ ጨረታ ኮሚቴ ይክፈት::

7 እቲ ንብረት ዘልዕልሉ መዓልቲ ሙሉእ ክፍሊት ብምፈፃም እቲ ጨረታ ሰዓሪ ምኮኑ ምስተነገሮ አብ ዉሽጢ 10 መዓልቲ ኮይኑ አብቲ ዝተጠቐሰ መዓልቲ ዘይልዕለ ተጫረቲ ግን ዉዕሊ አብ ምእሳር ዘትሓዞ 10 % performance ናብቲ ቤት ፅሕፈት ኣታዊ ኮይኑ ኣብ ዉሽጢ 5 መዓልቲ ንከልዕል ይግደድ::

8 ናይቶም መስተዋትን ብረትን ንሽያጭ ዝቀርቡ በዝሒ ብዓይነት የኹን ብቑፅሪ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ቤት ምክሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ልዕሊ አክሱም ሆቴል አብ ዝርከብ ኮንደሚንየም ( ሐበራዊ ህንፃ ሚሊንየም) ብአካል ብምምፃእ ምርኣይ ይካኣል:

9 ናይቲ ኣቕሓ መግዝኢ ዋጋ በቲ አብ ጨረታ ሰነድ ዝወፀ ዝርዝር specification መሰረት ነንሕድሕድ ከቕርብ አለዎ::

10 አብቲ ጨረታ ክትሳተፉ ትደሊዩ ተጫረትቲ 50.00 ብር ብምኽፋል ካብ ቤት ፅሕፈትና ቤት ምክሪ ንግድን ዘፈር ማሕበራትን ትግራይ ናይ ጨረታ ሰነድ ክትወስዱ ትኽእሉ ጨረታ ሰነድ ዘይገዘእ ተጫራታይ ጨረታ ክሳተፍ አይኽእልን::

11 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::


 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo