ምልክታ ግልፂ ጨረታ
ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣክስዮን ማሕበር ኣብ ትግራይ ዘሎ ናይ መንበሪ ገዛን መስርሒ ቦታን ፀገማት ንምፍታሕን ነቲ ትሑት ኣታዊ ዘለዎ ናይ ሕብረተሰብ ክፍሊ ማእኸል ገይራ ኣብ ምንቅስቓስ እትርከብ ትካል እያ፡፡በዚ መሰረት ዋሕስ ናይ ገዛ ቁጠባን ህንፀትን ኣክሲዮን ማሕበር፤ ኣብ ዓዲሓ ዓይደር ክ/ከተማ መቐለ G+4(LOT2) ናይ ሳኒተሪ ሰራሕቲ ክነስርሕ ሰለዝደለና ፍቓድ ዘለኩም ተጫረቲ ነዞም ዝስዕቡ ረቚሓታት ተማልኡ ተጫረቲ ክትሳተፉ ንዕድም፡፡
1. ናይ 2017ዓ.ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቓድ ፣ናይ ግብሪ ኸፋሊ መፍለይ ቲን፣ናይ ምዝገባምስክር ወረቐት ፣ናይ ኮንስትራክሽን ምዝገባ ፍቓድ፣ናይ ቫት ምዝገባ ሰርቲፊኬት፣ከቕርብ ዝኽእል።
2. ተጫረቲ ናይ ጨረታ መኽበሪ (CPO፣Bank gurrantie or cash) /10,000/ዓሰርተሽሕ ብር) ከቕርብ ይግባእ፡፡
3. ተጫረቲ ናይ ብቕዓት መረጋገፂ ደረጃ ሸሞንተን ልዕሊዑን ዘለኩም ኣብ ተመሳሳሊ ሰራሕቲ ክልተ ፕሮጀክትን ልዕሊኡን ዝሰርሑ
4. እቲ ሰራሕ ኣብ ኣርባዓን ሓሙሽተን መዓልቲ ሰሪሑ ክውድ
5. ናይቲ ጨረታ ሰዓራይ ዝተሓተ ዋጋ ዘእተወ ይኸውን፡፡
6. ድሌት ዘለኩም ተጫረቲ ዘይምለስ ብር 400(ኣርባዕተ ሚኢቲ) ብምኽፋል ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ቀበሌ 16 ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝወሰድ መንገዲ ኣቢሲንያ ባንክ ኣብ ዝርከበሉ መንገዲ 3ይ ደብሪ ቑፅሪ ብምቕራብ ካብ ዕለት 11/08/2017 ዓ/ም ኣብ ስራሕ ስዓት ምውሳድ ይካኣል፡፡
7. ተጫረቲ ሐደ ኦርጂናልን ሐደ ኮፒን ፋይናንሻልን ሲፒኦን ዶክመንት ኣብዝተፈላለየ ፖሰታ ብሽምዒብምእሻግ ኣብ ሓደ ዓብይ ፓሰታ ኣሺጎም ብምቕራብ ሙሉእ ኣደራሻ ናይ ድርጅቶም ማህተም ብንፁር ብምግላፅ እቶም ኣብ ቑፅሪ 2 ዝተዘርዘሩ ምስክር ወረቐት ኦርጂናል ዶክመንት ኣብ እዋን ጨረታ ምኽፋት ሒዞም ክመፁ ኣለዎም፡፡
8. ተጫረቲ ዝተማለእ ሰነድ ብምቕራብ ኣብ ቀበሌ 16 ሮማናት ኣደባባይ ናብ ቢሮ ትምህርቲ ዝወሰድ መንገዲ ኣቢሲንያ ባንክ ኣብ ዝርከበሉ መንገዲ 3ይ ደብሪ ቑፅሪ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቕ ካብ ዕለት 13/08/2017 ክሳብ ሰዓት ዕለት 16/08/2017 ካብ ሰዓት 2:30 ንጉሆ ጀሚሩ ኣብ ስራሕ ስዓት ምእታው ይኽእሉ፡፡
9. እቲ ጨራታ ተጫረቲ ወይም ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸበሉ ዕለት16/08/2017 ድሕሪ ሰዓት 8:30 ተዓሺጉ ሰዓት 9:00 ድሕሪ ሰዓት ይኽፈት፡፡
10. ተጫረቲተወሳኺ ሓበሬታ እንተደልዮም ብቑፅሪ ሰልኪ +251938000111, +251938000222 ምድዋል ይካኣል።
11. ትካልና ዝሓሸ መማረፂ ተረኺቡ ጨራታ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡