ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ምም/ር ኸተማ መቐለ ዝርከበ ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝህባ ኣናሽተይን ናይ ሰራሕተኛታትን ናይ ከተማ ናይ ህዝቢ መማላለስቲ ኣብቶብስ እምራን ናይላብያጆን ጎሚስታን ግልጋሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ግልጋሎት ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ምልክታ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ኣብ ትሕቲ ምም/ር ኸተማ መቐለ ዝርከበ ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝህባ ኣናሽተይን ናይ ሰራሕተኛታትን ናይ ከተማ ናይ ህዝቢ መማላለስቲ ኣብቶብስ እምራን ናይላብያጆን ጎሚስታን ግልጋሎት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲርና ግልጋሎት ዕድጊት ክንፍፅም ንደሊ። ስለዚ ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትደልዩ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቓሒታት እተማልኡ ተወዳደርቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅሕፈትና ብምውሳድ ንኽትወዳደሩ ንዕድም ።

ተደለይቲ ረቓሒታት

1. ናይ ዘመኑ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍታድ፣ ናይ ግብሪ ክፋላይ መለለይ ቁፅሪ ፣ ናይ መቸረባይነት ሰርቲፊኬት ደኣንት ሰርቲፊኬት ዘለዎም ኣብ 2016ዓ/ም ዝተሓደሰን ካብ2016 ዓ/ም ናብዚ ብሓዱሽ መልክዕ ዝተወደበን ኮፒ ክትርቡ ዝኽእሉን ።

2. መኸበሪ ጨረታ ብር - ነኒሕድሕዱ ጨረታ ንጎሚስታን ላብያጆን 3,000.00(ሰለስተ ሽሕ) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክcpo)ወይ ብጥረ-ገንዘብ ወይ ድማ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ውሕስና ብቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክተማ መተለ ስም ክትሕዙ ዝኽእሉ ።

3. ተረቲ ሰነድ ጨረታ እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፅኣሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ስራሕ ሰዓት ዘይምልስ 100(ሓደ ሚኢቲ ብር) ብምኽፋል ምውሳድ ይከኣል ።

4. ተረቲ መሠረቲ ሰነዶም ሓደ ኦርጅናል ምስ ሓደ ቅዳሕ በበይኑ ብምዕሻግ ክቅርቡ ኣለዎም ።

5. ጨረታ ካብ ዕለት ዕለት25/02/2017 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 5/03/2017 ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በዚ ዕለት ሰዓት 3:30 ተዓፅዩ ሰዓት 4:00 ይኸፈት።

6. ጨረታ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈትና ክፍሊ ቁፅሪ 034 ይኸፈት ።

7. ተጫረቲ ኣብ ሕድሕድ ናይ ጨረታ ሰነድ ናይ ድርጅት ማህተም ናይ ዝምልከቶ ኣካል ፌርማን ከዕርፍሉ ይግባእ ።

8. ኣብ ከይዲ ጨረታ ንምዝባዕ ዝፍትኑ ተጫረቲ ካብ ጨረታ ወፃኢ ከም ዝኾኑን ንቀፃሊ ውን ኣብ ናይ ዕደጋ መንግስቲ ከይሳተፉ ከምዝግበርን ካልኦት ኣድለይቲ ስጉምቲታት ምውሳድ ከምዝከኣል ክፈልጡ ይግባእ ።

9. ቤት ፅሕፈትና ድሕሪ ጨረታ ምኽፋቱ 20% ናይ ምውሳኽን ምቅናስን መሰል ኣለዎ ።

10. ዝሓሸ መማረፂ እንተተረኹቡ ብኽፋል ይኹን ሙሉእ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰለ ዝተሓለወ እዩ

11. ኣድራሻና ኣግኣዚ ኦፕሬሽን ሀንፃ ጥቃ እንዳ ማርያም ጉግሳ ቤተክርስትያን ንርከብ ።

12. ንዝበለፀ መብርሂ ኣብ ስራሕ ሰዓት ናብ ቤት ፅሕፈትና ብኣካል ቀሪብካ ምሕታት ይከኣል ።

13. እዚ ብቤት ፅሕፈትና ዝግበር ጨረታ ውድድሩ ዝካየድ ብጠቐላላ ድምር ምኻኑ እናሓበርና ክፍቲ ምግባር ኣይፍተድን ክፍቲ ዝገበረ ተዋዳዳሪ ካብ ጨረታ ወፃኢ ዝግበር ምካኑ ነፍልጥ ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo