ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ካላውዶ ንምክያድ ብፕሮፎርማ ኣወዳ ከካይድ ስለዝደለየ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ

ቑፅሪ ደ/ከ/ስ/ዕ/ምም/ን/85/2016

ዕለት፡- 05/08/2016 ዓ/ም

ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ፃውዒት ካላውዶ ትገብሩ

ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ካላውዶ ንምክያድ ብፕሮፎርማ ኣወዳ ከካይድ ስለዝደለየ ሕጋዊያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም፡፡

1. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ቦታ፡ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ምምሕዳር ንብረትን

2. ፕሮፎርማ ዝቐርበሉ ጊዜ፡ ክሳብ ዕለት 09/08/2016 ሰዓት 10፡00 ድሕሪ ቐትሪ

3. ተወዳዳሪይ ስዓራይ ምዃኑ ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ምስተውሃቦ ኣብ ውሽጢ 5‛ መዓልቲ ከቕርብ ግዴታ ኣለዎ፡፡ ኣብቲ ዝተጠቐሰ ግዜ ከቕርብ ዘይከኣለ ተወዳዳሪይ ካብዚ ትካል ናይ ዕደጋ ስራሕቲ ከምኣድላይነቱ ይእገድ ፡፡

4. ተወዳዳሪ ኣግባብነት ዘለዎ ብግልፂ ዝንበብ ዝተሓደሰ ንግዲ ስራሕ ፍቓድ ፣ ናይ ግብሪ ከፋሊ መፍለይ ቑፅሪ ፣ ናይ ንግዲ ዘርፍን(መቕረባይ) ካሊእ ኣድላይ መረዳእታን ዘቕርብ፤

5. ተወዳደርቲ ዝመልእዎ ሰነድ ፕሮፎርማ ብናይዚ ትካል ዝወፀ ሰነድ ክኸዉን ይምረፅ ፣ ብናይ ባዕሎም ሰነድ እንተመሊኦም ግን ምስቲ ናይ ትካልና ዝወፀ ሰነድ ፕሮፎርማ ሓደ ዓይነት ክኸዉን ኣለዎ ።

6. እዚ ናይ ፕሮፎርማ ዕደጋ ምልክታን ብተወዳደርቲ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ዋጋ ዝሓዘ ሰነድን ኣብ መንጎ ገዛእን ሸያጥን ከም ውዕሊ ኮይኑ ይሰርሕ

7. ስዓራይ ዝኾነ ተወዳዳራይ እቲ ንብረት ኣታዊ ብዘይ ምግባሩ ኣብቲ ኢንተርፕራይዝ ዝበፅሐ ጉድኣት ብምርኣይ ትካል ብሕጊ ክሓትት ይኽእል፡፡

8. ተወዳዳሪ ኣብ ዝቐርብ ናይ ፕሮፎርማ ሰነድ ፊርማን ማህተምን ናይ ምግባር ግቡእ ይህልዎ።

9. ናይ ዕደጋ ትእዛዝ ተዋሂብዎ ንከቕርብ ፍቃደኛ ዘይኾነ ተወዳዳሪ ኣብ ዝኾነ ናይቲ ትካል ናይ ዕደጋ ውድድር ንዘይተወሰነ እዋን ከይሳተፍ ደብዳቤ ይፀሓፈሉ ።

10. እቲ ከላውዶ ዝተገበረ ምዃኑ ምስተረጋገፀ ኣብ ውሽጢ 10 ̊ መዓልቲ ክፍሊት ክፍፀመሉ ፍቓደኛ ዝኾነ

11. እቲ ኢንተርፕራይዝ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo