ኣብ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቤት ፅሕፈት ምሕዳርን አጠቃቅማ ከተማ መሬት ካዳስተርን ከተማ እንትጮ ቦታ ብሊዝ ብዛዕባ ምሓዝ ብዝተደንገገ ኣዋጅ 721/2004 ዓንቀፅ 8 ንኡስ ዓነቀፅ 1 ብፊደል ተራ ካብ ሀ እስካብ ሰ ብዝተዘርዘሩ መሰረት ንዝተፈላለዩ አገልግሎት ማለትን መንበሪ ንትካል ዝተዳለወ ጠቅላላ 28 ቦታታት ብግልፂ ጨረታ ንተጫረቲ ከማሓላልፍ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ምሕዳርን አጠቃቅማ መሬት ካደስተርን ከተማ እንትጮ

ጨረታ ብሬደዩ ዝተጋወሐሉ ዕለት 3/6/2016 ዓም 

1 ካልኣይ ዙር ጨረታ ሊዝ ዓይነት ጨረታ መደበኛ ወይድማ ስሩዕ ብምካኑ ክጫረት ዝደሊ ዝኮነ ሰብ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ 24/5/2016 ዓም ክሳብ 7/6/2016 ዓም ናይቲ ቦታት ዝርዝር መረዳእታን ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 500 ቅርሺ ብምክፋል ሰነድ ጨረታ ቁፅሪ /ም/መ/ከ/እ/740 ብ 24/5/2016 ዓም ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ ግብሪ ኣከብቲ ብስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይክእል

2 መሸጠ ሰነድ ጨረታ 7/6/2016 ዓም ልክዕ ሰዓተ 9:00 ደዉ የብል

3 መእተዉ እዋን ሰነድ ጨረታ 24/5/2016 ክሳብ 7/6/2016 ዓም ሰዓተ 11:00 ጥራይ ይከዉን

4 ጨረታ ዝዕፀወሉ ወይድማ ዝዕሸገሉ 7/6/2016 ዓም ሰዓት 11:00 ድሕሪ ቀትሪ ይከዉን

5 ነዚ ቦታ ክጉብኒ ንዝደሊ ተጫራቲ በቲ ብቤት ፅሕፈት ምልክታ መጠቀዒ ሰሌዳ ብዝገለፅ መርሃ ግብሪ መሰረት እቲ ቤት ፅሕፈት ዘጎብኒ ይከዉን

6 ጨረታ ዝከፈተሉ 8/6/2016 ዓም ልክዕ ሰዓት 3:00 ንጉሆ ኣብ ቀፅሪ ቤት ፅሕፈት ምሕዳራን አጠቃቅማን መሬትን ካደስተርን ከተማ እንትጮ ይክፈት ኩሎም ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይከዉን

7 ተጫረቲ ዘትሕዞ ናይ ጨረታ መከበሪ ስፒኦ ናይ ዝተጫረትሉ ቦታ ስፍሓት ምስ መበገሲ ዋጋ ብምብዛሕ ናይ ዝርከብ ዉፅኢት ካብ 5 ሚእታዊ ዘይንእስ ብሽም ቤት መዘጋጃ ከተማ እንትጮ ኣትሒዝኩም ክትቀርበየ ይግባእ ኣብ ስፒኦ ናይ ዝተሐዝ መጠን ገንዝብ ካብ 5 ሚእታዊ ወሰክ ኣፈላላይ ዘእተዎ ናይ ምምላስ ግቡእ ከምዝይብሉ እቲ ቤት ፅሕፈት ይገልፅ

9 ነብስወከፍ ተዋዳዳሪ ዋናን ስፒኦን ናይ ተጫረቲ ዝተሐደሰ መለለይ መንነት ቅዳሕ ሰነድ ዝዐደገሉ ዋና ማለት እዉን ዓይነታ ቅብሊት ምስ ዝዓደግዎ ሰነድ ጨረታ ብሓባረ ናብ ፖስታ ብምእታዉ ናብ ሳንዱቅ ጨረታ ይእትዉ

10 ኩሉ ተጫራታይ ሕጋዊ ተወካሊ ናይ ወካሊ ዝተሐደሰ መለለይ መንነት ወይ እዉን ፓስፖርተ ዝተወለደሉ ዕለት ወርሒን ዓመት ምህረትን ዝገልፅ ቅዳሕ መለለይ መንነት ምስ ሰነድ ጨረታ ከታሓሓዝ አለዎ

11 ዝኮነ ተጫረቲ ይሃልዉ ኣይሃልዉ ሰነድ ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኵን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ቤት ፅሕፈት ምሕዳርን አጠቃቅማ መሬት ካደስተርን ከተማ እንትጮ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo