ከይዲ ስራሕ ኣጠቓቕማን ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ምልክታ ሊዝ ጨረታ

ቤት ፅሕፈት ከተማ ልምዓት ከተማ መቐለ


1. ናይ ጨረታ ዙር፡ 69

2. ናይ ጨረታ ዓይነት፣ መደበኛ

3. ቤ/ፅ/ኣ/ምሕደራን መሬት ከተማ መቐለ ናይ ከተማ ቦታ ብሊዝ ንምትሕልላፍ ኣብ ዝተቀመጠ አዋጅ ቑፅሪ 721/2004 አንቀፅ 8 ንኡስ አንቀፅ 1 ኣብ ፊደል ተራ ቑፅሪ ካብ 'ሆ' ክሳብ 'ሠ' ብዝተዘርዘረ መሰረት ንዝተፈላለዩ ግልጋሎታት ንመንበርን ንግድን ሆቴልንን ኣፀደ ህፃናትን/ ጠቕላላ 323 ዝተዳለወ ቦታታት ብግልፂ ጨረታ ንተጫረቲ ንምትሕልላፍ ይደሊ፡፡ ስለዚ መሬት ብሊዝ ጨረታ ንምርካብ ዝደሊ ሰብ ካብ ዕለት 02 ወርሒ 04 ዓ/ም 2016 ጀሚሩ ንናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ቅርሺ) ኣብ ሽውዓቲኣን ክ/ከተማታት እቶት ቤት ማዘጋጃ ከምኡ እውን ኣብ ከተማ መቐለ እቶት ቤት ማዘጋጃ ኣብ ስራሕ ሰዓት ክፍሊት ካርዲ ደረሰኝ ምቑራፅ ወይ ምኽፋል ዝከኣል ምዃኑ ነፍልጥ።

4. ናይ ጨረታ ሰነድ መግዝኢ ወይ መውሰዲ ግዜ ኣብ ቤት ማዘጋጃ ከተማ መቐለ ካብ ዕለት 02 ወርሒ 04 ዓ/ም 2016 ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 15 ወርሒ 04 ዓ/ም 2016 ቕድሚ ሰዓት 9፡00 ጥራሕ ይኸውን፤

5. ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 15 ወርሒ 04 ዓ/ም 2016 ሰዓት 11፡00 ይኸውን፤

6. ጨረታ ዝኸፈተሉ ዕለት 16 ወርሒ 04 ዓ/ም 2016 ኣብ ቤት ማዘጋጃ ከተማ መቐለ ኣዳራሽ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዘለዉዎ ንጎሆ ሰዓት 03፡00 ይኸውን፤

7. ብዛዕባ ጨረታ ዝርዝር መረዳእታ ኣብ ናይ ሽዱሽቲአን/6/ ክፍለ ከተማታት ማስታወቅያ መለጠፍን ብተወሳኪ እውን ኣብ መርበብ ሓበሬታ http://www.tigraitv.com ኣብ Facebook-page” Facebook.com/dmtsiweyane ወይ ኣብ "Mekelle city communication affairs” ምርኣይ ይከኣል፤

8. ውፂኢት ጨረታ ዝግለፀሉ እዋን ዕለት 08/05/2016 ዓ.ም ሰዓት 03፡00 ናይ ንጎሆ ይኸውን፤

9. ቤት ፅሕፈትና እዚ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo