ኢንተርፕራይዝ መፅናዕቲ ዲዛይንን ቁፅፅርን ስራሕቲ ማይ ትግራይ ካብዚ ንታሕቲ ዘለዉ ኮምፒተርን ናይ ኮምፒተር ተዛመድቲን ኣቁሑት ናይ ፅገና ስራሕቲ ንምስራሕ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ስለ ዝደለየ ካብዚ ቀፂሉ ዘሎ መስፈርቲ አተማልአኡ ተወዳደርቲ ዘይምለስ 50.00 ብር ብምኽፋል ትካል ዘዳልዎ ጨረታ ሰነድ ወሲድኩም ክትወዳደሩ ትክእሉ

ኮሌጅ ፖሊ ሳይንስ ጥዕና ዶ/ር ተወልደ ለገሰ ናይ ፎርድ መኪናን፣ ናይ ኣሻካ ሊላ መኪናን ፋልትሮን ናይ ኮምፒተር መረባሒ ማሽናት ዓመታዊ ፅገና ዉዕሊ ክኣስር ስለ ዝደለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ተወዳደርቲ ይዕድም

ንሆስፒታል መቐለ ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቅሑት :ሕተመት : ፅገና ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ግልጋሎት ብጨረታ ክገዝእ /ከስርሕ ይዲ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከ/ዓ/ሓቂ ኣብ ክፍለከተምኡ ንዘለዋ ሴክተራት ኣገልግሎት ዝዉዕል ናይ ኮምፒተር USB ከፀግን ስለዝደለየ ካብዚ ንታሕቲ ዘሎ ንብረት ከተቅርቡ ይክእሉ ነጋዶ ምልክታ ፕሮፎርማ ክትመልኡልና ንዕድም

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ገ/ስላሴ ኣስጎዶም ዕ/ሓሙስ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ዝተፈላለዩ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ኣቁሑት፣ ፅሬትኣቁሑት፣ ህንፃ መሳርሒ ኣቑሑት፣ኤሌክትሪክ ኣቁሑት ፣ ኮምፒተር እና ኮምፒተር ኣክሰሰርን ኣቁሑት ፣ ናይ መኪና ስፔር ፓርት፣ ናይ ኮምፒተርን ተዛመድትን ፅገና ብግለፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ኣቅሓ ግልጋሎት ክገዝእ ይደሊ ስለዚ በቢዝምልከተኩም ዘርፊ ኣብዚ ጨረታ ክተወዳደሩ ትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ዝስዕብ ረቃሒ እተማልኡ ክተወዳደሩ ቤት ፅሕፈትና ብክብሪ ይዕድም

ማእከል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ንስልጠና ግልጋሎት ዝዉዕል ብዝተመደበሉ በጀት መሰረት ብምግባር 1 ናይ ኣሰልጠንትን ሰልጠንትን ናይ ምግቢ ቀረብ ግልጋሎት 2 ናይ ሕክምና ናዉቲ መሳርሕታት 3 ናየ ተሽከርከርቲ መኻይን 4 ናይ ሞተር ሳይክል 5 ናይ ጀነሬተራትን ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናይ ኢድ ሰብ ሞያ ጋራዥ ፅገናን ሰርቪስን ንምክያድ ስለ ዝደለየ ንክትወዳደሩ ብግልፂ ጨረታ ንዕድም።

ኣብ ክፍለ ከተማ 1ይ ወያነ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ንናይ ዝተፈላለዩ ሴክተራት ክ/ከተማ 1ይ ወያነ ናይ ቀለም ምምላእ ብፕሮፎርማ ካብ ሕጋዊያን ትካላት ክወዳዲር ስለዝደለና ንክትወዳደር ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ኢሮብ ንኣጎልግሎት ኣብያተ ፅሕፈት ወረዱኡ ዘገልግሉ ናይ ኮምፒተርን ተዛምድቲ ኣቁሕት ፅሬት መለዋወጢ ኣቁሑት ተሽከርከርቲ መካይን ናይ እስፖርት ናዉትን ዕጥቅን ፡ ሕትመት ኣቁሑት ኢንደስትሪያል ፣ ፅገና ሞተር ሳይክልን ኤሌክትሮኒክስ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከፀግንን ይደሊ

ቢሮ ልምዓት ከተማ ንግድን ኢንዱትሪን ክልል ትግራይ ንቢሮና ግልጋሎት ዝዉዕል 1 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ናዉቲ ፅገና 2 ናይ መኪና ሕፅበት ላቫጆ ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብፕሮፎረማ ኣወዳዲሩ ግልጋሎት ክረክብ ስለዝድለየ ክትወዳደሩ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ እዚ ዝስዕብ ረቓሒ ክተማልኡ ይግባእ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክፍለ ከተማ ሓድነት ኣብ 2012 ዓ/ም በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈታት ዝድሊ ኣቑሑ ኣገልግሎትን ዝዉዕል ናፍጣ ጀነሬተር ሶላር ብተወሳኪዉን አቑሑት ናዉቲ ቢሮ ማለት እዉን ፈሪኒቸር ናይ ሞንታርቦ እስፒከር ዓመታዊ ባኒ ምቅራብ ዓመታዊ ፅገና ኤሌክትሮኒክስ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ