ኣብያተ ፍርዲ ቃፍታ ሑመራን ሰቲት ሑመራን ንዝተፈላለዩ ኣጎልግሎት ዝዉዕል ኣቁሕት ፅሕፈት ፣ ኣቁሑት ፅሬት ፣ ኮምፒተር ፣ ሕትመት፣ ኣቁሑት ቢሮን ተዛመድትን ፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ ስለዚ እዞም ትሕት ኢሎም ዘለው ረቋሕታት እተማልኡ ተጫረቲ ክትወዳደሩ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ማይ ግልጋሎት ከተማ ፋፂ ቱቦን መገጣጠሚን ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኮምፒተርን ተዛመድትን ናዉቲ ኤሌክትሮ መካኒካል ፣ ናዉቲ ቢሮ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባኣላጀ ንኣጎልግሎት ኣብያተ ፅሕፈት ወረዱኡ ዘገልግሉ ናይ ኮምፒተርን ተዛምድቲ ኣቁሕትን ናይ ሕትመት ስራሕቲ ኣቁሑት ቢሮ ናይ ስፖርት ዕጥቅታት መለዋወጢ ኣቁሑት መካይንን ናይ መኪና ጋራዥ ኢድ ሞያ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ይደሊ እቲ ጨረታ 3/12/2011ዓ/ም ክሳብ 20/12/2011ዓ/ም ዘይምለስ 50.00 /ሓምሳ ቅርሺ/ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ እምባ ኣላጀ ከይዲ ስራሕ ንብረትን ዕደጋን ፋይናንስን ብምዉሳድ ንክጫረቱ ብክብሪ ንዕድም

ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ነቲ ቢሮ ኣገልግሎት ዝውዕሉ አቁሑት ኣጫሪቱ ክዕድግ ስለዝደሊ ዝምልክተኩም ኣካላት ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ርእስ ምምሕዳር ዳ/ዕ/ፋ/ን/ምምሕዳርን ንቤ ፅሕፈት ርእስ ምምሕዳር ግልጋሎት ዝውዕል ናይ ኔትዎርክ ኣቅሑት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ቤት ህንፀት መቐለ ኣብ 2012 ዓ/ም ንሓደ ዓመት ዝተፈላለዩ ፅገናታትን ግልጋሎትን ንምርካብ ውዕሊ ክኣስር ይድሊ። ሎት 1 ንመካይን ንምፅጋን ምስ ውልቀ ጋራጅ ደረጃ 4ተን ልዕሊኡን ውዕሊ ንምእሳርን ፣ሎት 2 ማይ ብመንግስቲ ዝግዛእ ንተሃነፅቲ ማይ ተምፅእ መኪና ክራይ ጥራሕን፣ ሎት 3 ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፅገና ፣ ሎት 4 ቀለም ፕሪንተራት ምምላእ፣ ሎት 5 ዝተልዓለ ጉርዲ ፎቶ ምሕፃብ ጥራሕ ን2012 ዓ/ም ግልጋሎት ንምርካብ ውዕሊ ክኣስር ይደሊ፡፡

ድምፂ ወያነ ትግራይ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቐ ማሕበር ካብዚ ንታሕቲ ቀፂሎም ዘለው ንብረታት My Cloud PR4100 40 ቴራ ባይት በዝሒ1፣ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ስለዝደለየ ክትጫረቱ እትደልዩ ትካላት ብመሰረት እቲ ቐፂሉ ዘሎ ስፔስፊኬሽን ንክትጫረቱ ብክብሪ ይዕድም፤

ኢንተርፕራይዝ ስራሕቲ መንገዲ ክልል ትግራይ ናይ ኤሌክትሪካል ንብረት ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡

ን2ይ ግዘ ዝወፀ ምልክታ ፕሮፎርማ ንበዓል መዚ ልምዓት እቶት ግልጋሎት ዝውዕል ፕሪንተር ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ፡፡

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ክ/ከተማ ሓድነት ንናይ ጥዕና ቤት ፅሕፈት መኪና 5ተ ጎማ፣ ሓደ ባትርን፣ ንቤት ምክሪ ዝከውን ሓቲ ኮምፒተርን ሓንቲ ፕሪንተርን ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ፡፡