ምልክታ ሊዝ ጨረታ ዙር ጨረታ 9ይ ዙር ዓይነት ጨረታ መደበኛ ናይ ከተማ ዛላንበሳ ም/መ/ምሕደራን ናይ ከተማ ቦታ ብሊዝ ብዛዕባ ምሓዝ ብዝደንጎጎ ኣዋጅ 5/2007 መሰረት ንመንበሪን ንንግዲን ዝተዳለወ ቦታ ብግልፂ ጨረታ ንተጠቀምቲ ከመሓላልፍ ይደሊ፡፡ ብምዃኑ ክጫረት ዝደሊ ዝኮነ ሰብ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ካብ ሎሚ ዕለት 13/07/2011ዓ/ም ጀሚሩ ናይ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ ብር 150.00 ብምክፋል ምግዛእ ዝክእሉ ምዃኖም ነፍልጥ፡፡