ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ኣብቲ ወረዳ ንዝርከባ ዝተፈላለያ ሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጢ ኣቁሑትን ጎማን ንምግዛእ፣ ንቤት ፅሕፈት ማይ ሃፍቲ ዝተፈላለዩ ጣብያታት ንዝስርሑ ናይ ዳይቨርሽን ቼክ ዳም ናይ ማይ መከፋፈሊ ናቁጣ ፍልፍል ምዕባለ ስራሕቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ከስርሕን ስለዝደለዩ ነዞም ዝተገለፁ ዓየነት ዕድጊት ስራሕን ንናይባዕሎም ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም መቅረብቲን ኣናሽቲ ንግዲ ትካላትን ከምዝስዕብ ዝተዘርዘሩ መዐቀንታት እተማልኡ ንክትወዳደሩ ንዕድም

ማሕበራዊ ረዲኤት ትግራይ /ማረት/ ዝስዕቡ ናይ ግድብ ስራሕቲ ዝዉዕሉ ሱሉስ ጌትን ኢንቴክ ጌትን ብጨረታ አወዳዲሩ ንምስራሕ ትደሊ

ቢሮ ልምዓት ከተማ ንግድን ኢንድስትሪን ክልል ትግራይ ኣብ 2008 ዓ/ም በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ ቢሮ ፈርኒቸር ኣቑሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዓዲግራት ን1ይ ፍርቂ ዓመት 2008 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ዝዉዕል ኤሌክትሪክ : ፈርኒቸር : ናይ መኪና መለዋወጥን: ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጥን ንቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑ ተወዳደርቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ጥምረት ኤች ኣይ ቪ ፖዘቲቭሰ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ትግራይ ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት ዝዉዕልን ናይ ሕትመት ስራሕቲ ብጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

መቐለ ማእከል ቤት ህንፀት ካብ ናይ 2008 ዓም በጀት ናይ ሞዴል CAM28ct/PA180 ቻሲ ቁፅሪ CKDJP2p1200000141 ዝኮነት ሬኖ ኣዉቶብስ መኪና መፀገኒ ንብረት ካብ ሕጋዉያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ትራንስ ኢትዮዽያ ሓ .ዝ. ዉ .ማሕበር ንጋንታ ስፖርት ዝከዉን ዝተፈላለ ዓይነት ምግቢ ከምኡዉን ኣቁሑት ፅሬት ብጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይደሊ

ኣብ ህንፃ ቢሮ ሕርሻን ልምዓት ገጠርን ክልል ትግራይ ዝርከብ ኤጀንሲ ምስፍሕፋሕ ሕብረት ስራሕ ማሕበራትን ልምዓት ዕደጋን ሃለቂ መሳርሒ ፅሕፈትን ፣ኣቁሑት መኪና መለዋወጢ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ተጫረቲ ንክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፍት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ዓዲግራት ንናይ 1ይ ፍርቂ ዓመት 2008 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ዝዉዕል ኤለክትሮኒክስ ፣ፈርኒቸር ፡ናይ መኪና መለዋወጥን ፡ናይ ሞተር ሳይክል መለዋወጥን ንቫት ተመዝገብቲ ዝኮኑ ተወዳደርቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ግዚኢት ክፍፅም ይደሊ

ኒዉ ሚለንየም ኮሌጅ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብጨረታ አወዳዲሩ ከዕድግ ይደሊ ዝስዕብ ረቆሓታት እትማልኡ ንክትወዳደሩ ይዕድም