ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዉቅሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ንሆስፒታል ውቅሮ ግልጋሎት ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት መሳርሒ፣ ሕትመት መሳርሒ ፣ ደንቢ ክዳን (ኣንሶላ ፍርናሽ ትርኣስን ሕሙማት ብጃማን) ካልኦትን ፣ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ዝምልከተኩም መቅረብቲ በቲ አብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም።

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኮረም ንምምሃር ምስትምሃር ግልጋሎት ዝውዕሉ ናይ ስፖርት ዕጥቂ፣ ናይ ኮምፒተርን ተዛመድትን፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት፣ ብፕሮፎርማ ኣወዳዲሩ ክንገዝእ ይደሊ።

ቤት ማዘጋጃ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ንበጀት ዓመት 2011ዓ/ም ሕጋውያን መቅረብቲ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር ንማእኸልና ግልጋሎት ዝውዕሉ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት መሳርሒ፣ ሕትመት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቀዋሚ ናይ ቢሮ ኣቅሑት (ናይ ቢሮ ፈርኒቸር)፣ ህንፃ መሳርሒ፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት፣ ናይ መኪና መጋየፂ፣ ናይ ጀነሬተር ስፔር ፓርት፣ ጎማን ባትርን ናይ ኤግዝቭሽን ድንኳን ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ዓብይ ዓዲ ን2011 ዓ/ም በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ሃለቕቲ ቀወምትን ንብረት ናይ ቤት ፅሕፈት መሳርሒን ፅሬት ኣቁሑትን : ንዝተፈላለዩ ዲፓርትመንት ህንፃ መሳርሒን ፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ዲፓርትመንትን፣ ንኣገልግሎት ዝውዕል ኮምፒዩተር፣ ናይ ቢሮ ደረቅ ወንበርን፣ ሸራተን ወንበርን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ማዛጋጃ ከተማ ፍረወይኒ ኣብ ዓመተ 2011 ዓ/ም ኣምፖላት መስመር ፅርጊያ ብጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትዋዳደሩ ንዕድም።

ማእከል መሰልጠኒ መናእሰይ ኣግበ ኣብ በጀት ዓመት 2011 ዓ/ም ብዝተፈላለዩ ሞያታት ንመናእሰይ ኣብ ምስልጣን ከምዝርከብ ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብዚ ዓመት ብዝተመደበሉ በጀት መሰረት ብምግባር መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣቅሑ ኤሌክትሮኒክስ፣ መሳርሒ ፅሬት፣ ናይ ማይ መሳርሒ ፣ መሳርሒ ኮንስትራክሽን ፣ መሳርሒ ኤሌክትሪክ፣ መሳርሒ ሕትመትን ኤሌክትሪክ ሞጎጎን ክገዝእ ስለ ዝደለየ ንክትወዳደሩ ብግልፂ ጨረታ ንዕድም።

ቤት ህንፀት መቐለ ንሕጊ ተሃነፅቲ ን2011ዓ/ም ንዓመት ማይን መብራህትን ብመንግስቲ ዝኽፈል ውዕሊ ኣሲሩ ከመግብ ዝደሊ ነጋዳይ ውዕሊ ክኣስርን ከምኡውን ሓደገኛ ሓፁርን ናይ ኤሌክትሪክ ንብረትን ናይ ፅሕፈት መሳርሒን ንብረትን ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክገዝእ ይድሊ።

ቤት ፅሕፈት ግልጋሎት መስተ ማይ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎም ፓምፕታትን መለዋወጢ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ፣ ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎም HGPE GL ቱቦን መገጣጠሚን፣ ናውቲ ላብራቶሪ ማይ ፣ መሳርሒ ፅሕፈትን ኤሌክትሮኒክስን በግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም 2ይ ዙር ዕደጋ ነቲ ሆስፒታልና ግልጋሎት ዝውዕሉ መለዋወጢ ኣቅሑት ጀነሬተር፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ፣ ኣቅሑት ቢሮ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኮምፒተር ፣ መሳርሒ ሕትመት፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ደንቢ ኽዳን ፣ ሸቀጣ ሸቀጥ ጥረምረ ኣሕምልቲ ፍረምረ፣ ግልጋሎት ስፌት ዓለባ፣ ዕገና ኮምፒተርን ተዛመድትን ፣ ምድላው ባልትና፣ ባኒን እንጀራን ብዝተፈላለየ ምድብ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።