ቤት ማዘጋጃ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ ንበጀት ዓመት 2011ዓ/ም ሕጋውያን መቅረብቲ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት መዘጋጃ ከተማ ዕዳጋ ሓሙስ

ስለዚ ነዞም ዝስዕቡ ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

1 ናይቲ ዝዋዳደርሉ ዘፈር ንግዲ ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ኣብ ጨረታ ዝኽፈተሉ ቅዳሕ ዘቅርብ፤

2 መዐደጊ ሰነድ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ ዘትሕዝ

3 ሰነድ ጨረታ ዝወሃበሉ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ካብ 08/04/2011ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ 19/04/2011 ዓ/ም ንተኸታታሊ 10 መዓልቲ ይኸውን።

4 ሰነድ ጨረታ መረከቢ ግዜ ምልክታ ካብ ዝወፀኣሉ 10 መዓልቲ ዝዕፀወሉ ድማ 19/04/2011ዓ/ም ሰዓት 3:00 እንትኸውን ዝወፀሉ ድማ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 3:30 ይኸውን።

5 መኸበሪ ጨረታ ብሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ 5000.00ሽሕ ቅርሺ እንትኸውን ብሰነዱ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ከእትው ኣለዎም።

 መተሓሳሰቢ- ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ምስ ሰነድ ጨረታ ዝሽየጥ ምዃኑ ክንሕብር ንፈቱ።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0347-730013 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo