ሓፈሻዊ ሆስፒታል ዉቅሮ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕዳጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን ንሆስፒታል ውቅሮ ግልጋሎት ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት መሳርሒ፣ ሕትመት መሳርሒ ፣ ደንቢ ክዳን (ኣንሶላ ፍርናሽ ትርኣስን ሕሙማት ብጃማን) ካልኦትን ፣ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።ስለዚ ዝምልከተኩም መቅረብቲ በቲ አብ ታሕቲ ዘሎ ናይ ጨረታ ረቋሒ መሰረት ክትወዳደሩ ንዕድም።

ሆስፒታል ዉቅሮ

1 ንፅሕፈት :ፅሬት :ደንቢ ክዳን :  ሕትመት ዝጫረቱ ቫት ተመዝጋቢ ምካኖም መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ

2 ዝተሐደሰ ሕጋዊ ፍቃድን ንግዲ ስራሕ መረዳእታ ዘቅርብ

3 ብቢሮ ኤጀንሲ ልምዓት እቶት ናይ ግብሪ ከፋልቲ መለለይ ካርድ ቲን ዝተመዝገቡ ምዃኖም መረዳእታ ዘቅርቡን

4 ኣብ ቢሮ ትልምን ፋይናንስ ኣብ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገቡ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርብ

5 ንፅሕፈት :ፅሬት :ደንቢ ክዳን :  ሕትመት ዝምልከት ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ቫት ዲክለር ዝገበርሉ ምካኖም መረዳእታ ዘቅርቡ     

6 ናይ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርተፊኬት /ስፒኦ/ ወይ ብጥረ ገንዘብ ንፅሕፈት :ፅሬት :ደንቢ ክዳን :  ሕትመት  5000.00 ከትሕዝ ዝክእል

7 ንናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት ቫት ዝተመዝገበን ዘይተመዝገበን ክወዳደር ዝክእል ኮይኑ መክበሪ ጨረታ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርተፊኬት /ስፒኦ/ ወይ ብጥረ ገንዘብ 3000 ከትሕዝ ዝክእል

8 ተጫረቲ እዚ ምልካታ ግልፂ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 10/04/2011 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 24/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 3:00 ቅድሚ ሰዓት ኣብ ዘሎ ግዜ ዘይምለስ ብር 50.00 ከፊሎም ሰነድ ጨረታ ካብ ሓ/ሆ/ውቅሮ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ምም/ርን ከፊሎም ምዉሳድ ይክእሉ።

9 ተጫረቲ ኣብ ዝመልእዎ ሰነድ ጨረታ ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ዊዝሆልዲንግ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ኣተዊ ይገብሩ።

10 ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ዉቅሮ ሆስፒታል ደ/ከ/ስ/ዕደ/ፋይ/ንብ/ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 01 እዩ

11 እቲ ጨረታ ዕለት 24/04/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ቅደሚ ሰዓት ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ዝክፈት ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም እንተተረኪቦም ይምረፅ።

12 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቀመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይኑሎም መብርሂ (መማሓየሺ) እንተሃልዩዎም ናይ ጨረታ መክፈቲ ዕለት ቅድሚ ምብፅሑ ቅድሚ 5ተ ናይ ስራሕ መዓልቲ ብፅሑፍ ናብ ቤት ፅሕፈትና ከቅርብ ይክእል

13 ቤት ዕዮና ጨረታ ምስ ተከፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቱ ዝዕደግ ኣቅሓ በዝሒ ክሳብ 20%  ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ

14 ተጫረቲ ዘሸነፍዎ ኣቅሓብናይ ባዕሎም ትራንስፖርት መፅዓንን መራገፍን ናብ ሆስፒታል ፋርማሲ እሰቶር ኣታዊ ጌሮም ሓሳቦም ክዉስዱ ዝክእል

15 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ኣቅሓ ዉዕሊ ብምእሳር 10% ናይቲ ጠቅላላ ዋጋ ዉዕሊ መኸብሪ ብዝተረጋገፀ ባንኪ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዝብ ክትሕዙ ግዴታ አለዎም።

16 ተጫረቲ ኣብ ሳምፕል ምርኣይ ዘድልዩ ኣብ ሰነድ ጨረታ ዝተገለፀ ካብ ዘቅረብናዩ ሳምፕል ወይ ዝተቀመጠ መግለፂ ወፃኢ ምቅራብ ዘከኣል ምካኑ ፈሊጦም ክወዳደሩ አለዎም

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344430057 ደዊልካ ሐበሬታ ምርካብ ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo