ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ኣብ በጀት ዓመት 2011ዓ/ም 2ይ ዙር ዕደጋ ነቲ ሆስፒታልና ግልጋሎት ዝውዕሉ መለዋወጢ ኣቅሑት ጀነሬተር፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ፣ ኣቅሑት ቢሮ፣ መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኮምፒተር ፣ መሳርሒ ሕትመት፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ደንቢ ኽዳን ፣ ሸቀጣ ሸቀጥ ጥረምረ ኣሕምልቲ ፍረምረ፣ ግልጋሎት ስፌት ዓለባ፣ ዕገና ኮምፒተርን ተዛመድትን ፣ ምድላው ባልትና፣ ባኒን እንጀራን ብዝተፈላለየ ምድብ አወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ካሕሳይ ኣበራ ሆስፒታል ሁመራ

1 በቲ ዘፈር ዝተሐደሰ ናይ 2011 ዓም ሕጋዊ ፍቃድ ብቅዳሕ ከቅርበ ዝኽእል

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግበሪ ዝተመዝገብኩምን ወረቀት ምስክር ብቅዳሕ ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ቫት ማለት እዉን ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብኩም ምዝገባ ወረቀት ምስክርን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሒሳብ ዝከፈልክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ

4 ንመለዋወጢ ኣቅሑት ጀነሬተር ፣ ንስፌት ዓለባ ፣ ንባኒ እንጀራን ፣ ኣሕምልትን ፍረምረን፣ ፅገና ጀነሬተርን፣ ዕገና ኮምፒተርን ካብ ተወሳኺ እሴት ታክስ ነፃ ንዝኾኑ ተወሳኺ እሴት ታክስ ኣየድልን።

5 ንእንጀራ ባኒ ጥረምረ፣ ባልትና አሕምልትን ፍረምረን፣ ካብ ዳኣንት ምስክር ወረቀት ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

6 ናይ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ክተቅርቡ እትክሉ

7 ጨረታ ሰዓርቲ እንተኮይንኩም ዝሰዓርክምዉ ንብረት ዉዕሊ ካብ ዝአሰርክምሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 10 ናይ ስራሕ መዓልቲ ብናይ ባዕልኩም መጎዓዝያ ናብ ሆስፒታል ዋጋ ብዘይምቅያር ብፅሬትን ብመጠንን ክተቅርቡ እትክእሉ፤

8 ንእንጀራ ባኒ ጥረምረ፣ አሕምልትን ፍረምረን፣ ዕገናታትን ዓመት ሙሉእ ክተቅርቡን ክትፅግኑን ትክእሉ፤

9 መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ስምን ኣድራሻን ዘለዎ ናይቲ ትካል ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ።

10 ተጫረቲ ዘይምለስ 30.00 ቅርሺ እናከፈለኩም ካብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካህሐሳይ አበራ ሑመራ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 163 ካብ 07/03/2011 ዓ/ም ክሳብ 27/03/2011 ዓ/ምኣብ ናይ ስራሕ መዓልቲ ክሳብ ሰዓት 11:00 እናመፃእኩም ሰነድ ጨረታ ክትወስዱ ትክእሉ።

11 ተጫረቲ ንእትወዳደሩ ነብስወከፍ ዓይነት መከበሪ ጨረታ 3000.00 ቅርሺ ብስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ ክተትሕዙ ትክእሉ ፤

12 2% ዊዝ ሆልዲንግ ታክስ ክትከፍሉ እትክእሉ

13 እዚ ጨረታ 28/03/2011 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ካሕሳይ አበራ ሑመራ ይክፈት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 163 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተወዳደርቲ ብዘይ ምርካቦም ጨረታ ምክፋት ኣይተኣጎጎልን

14 እቲ ሆስፒታል ጨረታ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኺቡ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ  መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

15 እዚ ጨረታ ምስተኸፈተ ሆስፒታልና ናይ ዝግዛአ መጠን ክሳብ 20% ክቅንስ ወይ ክውስኽ ይኽእል።

16 ተወዳደርቲ እቲ ተቅርብዎ ንብረት ብፅሬት ኮምቴ ተፈቲሹ ተኽክለኛቱ ምስተረጋገፀ ጥራሕ ኣታዊ ይኸውን።

17 ተጫረቲ ምስ ቤት ዕዩ ትገብርዎ ርክብ ብፅሑፍ ከኸውን ኣለዎ።

18 ተወሳኺ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ንእትመልኡ ዋጋ ተወሳኺ እሴት ታክስ ዝሓወሰ ወይ ዘይሓወሰ ምዃኑ እንተዘይኣመልኪትኩም ዝመልኣኹምዎ ዋጋ ምስ ተወሳኺ እሴት ታክስ ተገይሩ ታክስ ተገይሩ ይውሰድ።

19 ኣብ እዋን መኽፈቲ ጨረታ ዋና ሰነነድ ሒዝኩም ክትርከቡ ኣለኩም።

20 ኣብ መሳርሒ ፅሬት (ባራኪና) ወረቀት ምስክር መፍረያይነት ከቅርብ ንዝኽእል ጥራሕ ይኸውን።

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-481035/0344-480011 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo