ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ሸራሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ድዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓም ኣብ ማእከል ኣስፋልት ዝርከብ ዋንነቱ ናይ ቤት ማዛጋጃ ከተማ ሸራሮ ናይ ጎደና መብራህቲ ንምፅጋን ፍልፍል በጀት መንግስታዊ መፍለይ ኮድ ዕዳጋ ሸራሮ /WC/TF/21/12 ብደኣንት ተወዲቦም ብደረጃ 8 ብርኪ ፍቃድ ደቂቅ መንገዲ ፍቃድ ናይ አሌክትሪፊኬሽን ዘለኩም ማሕበራት ብግልፂ ኣጫሪቱ አወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮ

1 ናይ 2012 ዓም ዝተሐደሰ ብቤት ፅሕፈት ልምዓት ደቀቅትን ኣናእሸተይን ፍቃድ ንግዲ ትካላእት ዝተዉሃበ ብርኪ ትካል ምስክር ወረቀት ምዝገባ ንግድ ምስክር ወረቀትን

3 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ምስክር ወረቀት ዘለኩም

4 ናይ ወርሒ ዝሓለፈ ወርሒ ሕዳር ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርክምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ አለኩም

5 ተጫረቲ ኣብ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ዝረከቡ ደረጃ 8 ደቂቅ ንግዲ ትካላት ናይ ኤሌክትሪፊኬሽን ማሕበራት ዝምልከት ኮይኑ ኣብ ላዕሊ ዝተገለፀ ፕሮጀክት ክጫረቱ ይክእሉ እዩም

6 ናይ ጨረታ ዉሕስና ባንክ ካብ ዝተፈቀደሎም ዝተፈለጡ ባንክታት ዝዉሃብ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና መአዘዚ ክፍሊት ገንዝብ ማለት እዉን ስፒኦ ወይድማ ብጥረ ገንዝብ 7000.00 (ሸዉዓተ ሽሕ ቅርሺ) ከቅርቡ አለዎም

7 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀከት ስራሕቲ ቦታ ካብ ዝተረከቡ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 70 መዓልቲታት ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

8 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 13/04/ 2012 ጀሚሩ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መጎዓዝያን ከተማ ሸራሮ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ቢሮ ቁፅሪ 3 ዘይምለስ 150 ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ እዩም

9 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትሉ ፋይናንሻል ሰነድ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ሰነድ ጨረታ ናይ ስራሕ ተኮናተርቲ ናይ ዝተዉሃበ ምዝገባ ካርድ ፍቃድ ንግድ ስራሕ መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገቡ ሙሉእ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሐለፉ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርክምሉ ምስክር ወረቀት ዉሕስና ጨረታ ማለት እዉን ቢድቦንድ ኣብ ዝተፈላለዩ ፖስታት ብምዕሻግ መሊሶም ኣብ ዓብይ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ሽም ዝጫረትሉ ፕሮጀከትን ኣድራሻን ብዝረአ ቀለም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ኣብ ቢሮ ቍፅሪ 3 ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሳብ 04/ 05/2012 ዓም ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዩም

10 ተጫረቲ ኣብቲ ሰነድ ጨረታ ዝቀረቡ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነብስ ወከፍ ገፅ እቲ ሰነድ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተይኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ እንተሎ ከምዝነበሮ እንተይኣጎደሉ ከቅረቡ አለዎም

11 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ዕለት 04/05/2012 ልክዕ ሰዓት 3:30 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት 04/05/2012 ልክዕ ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቢሮ ቁፅሪ 5 ክክፈት እዩ

12 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ መሉእ ብሙሉእ ወይም ብክፋልናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

13 ተጫረቲ ካብ ዝቆፅርዎም ግዚያዉ ሰራሕተኛታት ድማ 60 ሚእታዊ ንደቂ ኣንስትዩ ንከሳትፉ ድልዊ ክኮኑ አለዎም ብዘዘዘይ ፆታ አፈላላይ መዕረ ክፍሊት ንማዕረ ስራሕ ክክፈል ድልዊ ክኮኑ አለዎም

14 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0345500595

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo