መባእታዊ ሆስፒታል ማይ ፀብሪ ንኣጎልግሎት ዝዉዕሉ ስሩዕ መንግስታዊ በጀትን ዉሽጣዊ ኣታዊ በጀትን መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሮኒክስ፣ ኣቅሑት ፅሬት ፣ ኣቅሑት ኤሌክትሪክ፣ ደንቢ ክዳን ፣ ስራሕቲ ሕትመት ፣ ክዕድግን ከስርሕን ስለዝደሊ ተጫረቲ ክትጫረቱ እትደልዩ ሕጋዉያን ነጋዶ ንክትወዳደሩ ይዕድም

መባእታዊ ሆስፒታል ማይ ፀብሪ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግድን ወረቀት ምስክር መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለዎ

2 ኣብ ናይ መቅረባይነት ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእልን

3  ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኮነን ናይ ወርሒ ሕዳር 2012ዓ/ም ዲክለር ዝገበረ

4 መኸበሪ ጨረታ ንኣቅሑት ፅሬት 2000 ቅርሺ ንዝተረፉ ካልኦት 4000 ቅርሺ ብስፒኦ ብዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

5 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጓዓዝያን መራገፍን ናብ ወረዳ ፀለምቲ መባእታዊ ሆስፒታል ማይ ፀብሪ ከቅርብ ዝክእል

6 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50 ብር ብምክፋል ካብ  መባእታዊ ሆስፒታል ማይ ፀብሪ ምዉሳድ ይካኣል

7 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 01/05/2012ዓ/ም ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 4፡30 ይክፈት

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ካብቲ ጨረታ 20 ሚኢታዊ ናይ ምዉሳክ ወይ ናይ ምቅናስ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

9 ጨረታ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ መዓልቲ 40 መዓልቲ ይከዉን

10 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብክፋል ይኩን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ03 46 62 02 89 /09 14 78 27 45

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo