ንወረዳ ራያ ኣላማጣ ቤት ፍርዲን ከተማ ኣላማጣ ቤት ፍርድን ግልጋሎት ዝውዕል ኤሌክትሮኒክስ ኣቅሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ቤት ፍርዲ ወረዳ ኣላማጣ

ስለዚ ካብዚ ንታሕቲ ዝተዘርዘሩ ረቋሕታት ንዘማልኡ ሕጋውያን ነጋዶ ንክትጫረቱ ይዕድም።

1 ኣግባብነት ዘለዎ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድን ፣ ቲን ፣ናይ መቅረባይነት ሰርተፊኬት

2 ቫት ንግዲ ፍቃድ ተመዝገብቲዝኮኑን ዲክለር ዘለዎምን

3 ናይቶም ንብረት ዝርዝር ናይ ጨረታ ሰነድ ዋጋ ዘይምለስ 50.00 ብር ብምኽፋል ካብ ዕለት 14/04/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ወረዳ ራያ ኣላማጣ ቤት ፍርዲ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ብምውሳድ ናይ ጨረታ ሰነድ ኣብ ፖስታ ብምእሻግ ናይ ተጫራቲ ሽምን ፊርማን ማህተምን ብምቕራብ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክፍሊ ቁፀሪ 01 ምእታው ይከኣል።

4 እቲ ጨረታ ዕለት 30/04/2012 ዓ/ም ሰዓት3:30 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ወረዳ ራያ ኣላማጣ ቤት ፍርዲ ኣላማጣ ይኽፈት።

5 ቅድሚ ጨረታ ምኽፋቱ ተጫረቲ መኸበሪ ጨረታ ብር 5000.00 ብገንዘብ ወይ ብሲፒኦ ዝተረጋገፀ ከትሕዝ ዝኽእል

6 ተጫረቲ ናይ ዝሰዓርዎ ንብረት ጠቅላላ ዋጋ ብር 10% መኸበሪ ውዕሊ ብሲፒኦ (ብገንዘብ) ከትሕዝ ዝኽእል

7 ተጫረቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ እቲ ዝተስማዕምዕሉ ዕለት እንተዘይኣቅሪቦም ንመኸበሪ ውዕሊ 10% ዘትሐዝዎ ገንዘብ ብቅፅዓት ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኾን

8 ጨረታ ሰዓራይ መቅረቢ እቲ ንብረት ውዕሊ ካብ ዝኣሰረሉ ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ኣታዊ ይገብርን ዘሸነፍዎ ንብረት ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ናብ ቤት ዕዮና የቕርቡ።

9 ካብቲ ዝተጠቀሰ ስፔስፊኬሽን ወፃኢ ካሊእ ኣማራፂ ተባሂሉ ከቅምጥን ኣብቲ ስፔስፊኬሽን ዘይተነፀረ ንብረት ምቕማጥን ኣይፍቀድን ውድቂ ይኸውን።

10 በቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን መሰረት ፅሬቶም ዝሓለወን ኦርጂናል ዝኾነ ምዃኖምን ኣረጋጊፁ ክመልእ ይግባእ።

11 እቲ ቤት ፅሕፈትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ሕሉው እዩ።

ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 47 74 12 05/ 09 34 19 85 77

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo