ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ኣክስዮን ንባንኪ ግልጋሎት ዝዉዕል ባንኮኒ ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክስርሕ ይደሊ

ደደቢት ትካል ልቓሕነ ምዕቓሪን/ደደቢት ትፍልም/

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይ 2012 ዓ/ም ግብሪ ዝኸፈልኩም ቫት ዝተመዝገብኩም ምዃንኩም ዝገልፅ መረዳታ ክተቅርቡ ትኽእሉ ፤

2 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መኸበሪ ቢድቦንድ ሕጋዉነቱ ዝተረጋገፀ CPO 3000

3 ዝርዝር ናይ ሕድሕድ ዝገልፅ ዶክመንት ካብ ዕለት 10/04/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈት ደደቢት ማ/ፋይናንስ 4ይ (ራብዓይ) ደብሪ ቁፅሪ ቢሮ 409 ብብር 100.00 ኣብ ስራሕ ሰዓት ክትወስዱ ትኽእሉ፤

4 ናይ ጨረታ ዶክመንት ብፖስታ ሽም ዝተዓሸገ ናይ ቢሮ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ዝግብርሉ እዚ ምልክታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 10/04/2012 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 24/04/2012 ዓ /ም  ጊዜ ይከዉን::

5 ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 24/04/2012 ዓ/ም ንጉሆ ሰዓት 3:00 ቦታ አብ ደደቢት ትካል ዋና ቢሮ ተጫረቲ ብአካል ወይ ሕጋዊ ወኪሎም አብ ዝተረኽቡሉ ይኸዉን::

6 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ እንተዘይተረኺቦም እውን እቲ ጨረታ ኣብ ሰዓቱ ይኽፈት።

7 ጨረታ ሰዓራይ ውፅኢት ምስተገለፀ ኣብ ውሽጢ 5 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ።

8 ጨረታ ዝሰዓረ ናብ ዋና ቢሮ ደደቢት ትካል ልቃሕን ዕቋርን ኣክስዮም ማሕበር መፂኡ ከረክብ ኣለዎ።

9እቲ ትካል ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብኽፋል ወይድማ ብሙሉአ ናይ ምስራዝ መብቱ ዝተሐለወ እዩ፡፡

10 ተወሳኪ ሓበሬታ እንተደሊኩም ኣብ ዋና ቢሮ ደደቢት ማፋይናንስ ዝርክብ ቢሮ ቁፅሪ 11 ብምቅራብ ወይ ድማ ብስልኪ ቁፅሪ 0342-400014 ብምድዋል ምርካብ ይከኣል እዩ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo