ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ኣብ ናይ 2008 ዓ/ም 2ይ ርብዒ በጀት ዓመት ዝተፈላለዩ ናይ መኪና መለዋወጢ ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ግዝኢት ክፍፅም ይደሊ

ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይ ክልል ትግራይ

በዚ መሰረት እዞም ስዒቦም ዘተዘርዘሩ ረቋሕታት እተማልኡ መምርሒ ተጫረቲ እተኽብሩን ክትጫረቱ ብግልፂ ይዕድም

1 በቲ መስመር ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድ ዘለዎ/ዋን ናይ 2008 ዓ/ም ንግዲ ፍቓድ ዘሐደሰ/ትን

2 ተጫረቲ ዘትሐዝዎ ምኽበሪ ጨረታ ብር 2000.00 /ክልተ ሽሕ/ ሕጋዊ ብዘኮነ ንግዲ ባንክ ዝተረጋገፀ  CPO ወይም ቼክ ወይም ጥረ ገንዘብ ዝኽእል /እትክእል

3 ንዘተዳለወ ዝርዝር መምርሒ ጨረታ ሰነድ ዘይምለስ 30.00 /ሰላሳ ብር/ ብምኽፋል አብ ስራሕ ሰዓት በቲ ዝተጠቀሰ ዕለት ካብ ከይዲ ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ርን ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበዊ ጉዳይን ክልል ትግራይ ቢሮ ቑፅሪ -263 ትወስዱ ትኽእሉ

4 ንዝተቅርብዎ ዝርዝር ጨረታ ሰነድ ብዘተቀመጠ ዝርዝር ዋጋ ብምምላእ ብሽምዒ ብዝትዓሸገ ፖስታ ብምድላዉ እዚ ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዝተለጠፈሉ ዕለት 28/03/2008 ዓ/ም ክሳብ 12/ 04/2008 ዓ/ም አብ ስራሕ ሰዓት ብምምፃእ ክተእትዉ ትኽእሉ

5 እቲ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 12/4/2008 ዓ/ም ሰዓት 9:00 ምስተዓሸገ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ አብቲ ዕለት ሰዓት 9:30 አብ ቢሮ ሰራሕተኛን ማሕበራዊ ጉዳይን ቢሮ ቑፅሪ 245 ይኸፈት

6 ተጫረቲ ዋጋ ዘቅርብሉ በቲ ዝወፀ ዝርዝር ረቕሓ /ስፐስፊከሽን/ መሰረት ኾይኑ ኦርጅናልን ኮፒን ብምንፃር ብክልተ ፖስታ ተዳልዩ ከቅርብ ይግባእ

7 ናይ ጨረታ ዋጋ እንተነኣሰ 45 ማዓልቲ ፀኒዑ ዝፀንሕ ኮይኑ ተጫረቲ በቲ ናይ ጨረታ ዋጋ ክሳብ 6ተ ወርሒ ተወሳኪ ትእዛዝ ናይ ምርካብ ዕድል አለዎም እዩ

8 እቲ ንብረት ንክንደይ እዋን ዉሕስና ጋራንቲ ከምዝወሃቦ ክገልፅ ይግባእ

9 አድራሻና ክፍላ ከተማ ሓወልቲ ፊት ንፊት ደደቢት ማይክሮ ፋይነንስ ዝርከብ ኮምፕልክስ ናይ ሓባር ህንፃ: ህንፃ 1/Bock 1/  አብ መሬት ቢሮ ቁፅሪ 245 እዩ

10 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብኽፋል ይኹን ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ስልኪ ቁፅሪ 0344417637

 

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo