ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ ኣብ 2008 በጀት ዓመት ኣብ ዝተፈላለያ ጣብያታት መስኖ ስትራክቸራት ብናይ መንግስቲ በጀት ክሰርሕን ከምኡዉን ካብ ፋብሪካ ሲሚንቶ ፋብሪካ መቀለ ናብ ከተማ ማይ ፀብሪ ሰሚንቶ ኣጫሪቱ ከጋዓዕዝ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ

ተወዳደርቲ ከማልእዎም ዝግብኦም ረቀሕታት

ንስራሕቲ መስኖ ስትራክቸራት ዝወዳደር

ኣብዚ ጨረታ ተሳታፋይ ዝከዉን ደረጃ 7ን ልዕሊኡን ብማይተንከፍ ስራሕቲ ዘለዎ

ንግዲ ፍቃድ ቲን ምስክር ወረቀት ዝተሓደሰ መቅረባይነት ዘለዎን ኣብ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገበን

ናይ ወርሒ ጥቅምቲ 2008 ዓም ዲክለረሽን ሪፖርት ከቅርብ ዝክእል

ዝተሓደሰ ብቅዓት መረጋጋፂ ከቅርብ ዝክእል

ተጫረቲ ቫይብሬተርን ሚክሰርን ሌቭልንግን ከማልኡ አለዎም

ተጫረቲ ናይ ዝጨረትሉ ፕሮጀክት ዋጋ ዝሓዘ ሓደ ዋና ምስ ክልተ ቅዳሕ ብምድላዉ ኣብቲ ዋና ሰነድ ጨረታ ዝሓዘ ፖሰታ ዝተሓተትዎ ሙሉእ ዶክመንት ወይድማ ሰነድ ቅዳሕ ብምግባር ብዝተዓሸገ ፖስታ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልንምን ፋይናንስን ወረዳ ፀለምቲ  ንዚ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ጨረታ ኣታዊ ክገብሩ ዝክእሉ

ንነፍስወከፍ መጋዕዝያ ተወዳደርቲ ድማ

ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘሐደሰን ቲን ምስክር ወረቀት ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን ዘሐደሰን ኣብ መቅረብቲ ዝርዝር ክኣቱ ዘይግደድ እንተኮይኑ ድማ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

ሰነድ ጨረታ ንመስኖ ስትራክቸር 150 ቅርሺ ንመጋዕዝያ 100 ቅርሺ ዘይምለስ ከፊልካ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቢሮ ቁፅሪ 1 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል

ትሕጃ ዝምልከት ንነፍስወከፍ ናይ መስኖ ስትራክቸር 15,000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይድማ ሰርቲፋይድ  ዝኮነ ቸክ ወይ ጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

ንመጋዕዝያ ሲሚንቶ 5,000 ቅርሺ ብሲፒኦ ወይድማ ሰርቲፋይድ  ዝኮነ ቸክ ወይ ጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል

እቲ ምልክታ ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ 13 ታሕሳስ 2008 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡ 00 ተዓሺጉ ሰዓት 4፡ 30 ተጨረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ይክፈት ኮይኑ ግና ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ብዘይምርካቦም  ሕጊ ጨረታ ዘማለአ ተኮይኑ  ጨረታ ምክፋት አይተዓናቀፍን

እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  0346620283 ወይድማ 0346620221    ደዊልኩም ምሕታት ትክእሉ

 

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo