ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ ኢሮብ ኣብ ወረድኡ ዝርከብ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይን ኮንስትራክሽንን ኣብ 2012ዓ/ም በጀት ዓመት ዋንነቱ ናይ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር ፕሮጀክት ኣብ ከተማ ደዉሃን ብደረጃ 8ተ DC/GC ማለት እዉን ብርኪ 8ተ ፍቃድ ኣናእሽተይ ትካላት ንግዲ ኮንስትራክሽን ማሕበራት ግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ ኢሮብ

1 ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ብቤት ፅሕፈት ደአንት ትካላት ንግንድን ምርግጋፅ ዉሕስና ምግብን ዝተወሃበ ብርኪ ትካል ዝገልፅ ወረቀት ምስክር

2 ወረቀት ምስክር ምዝገባ ንግዲ ፍቃድ ስራሕ ንግዲ ኮንስትራክሽን ማለት እዉን ተካናታሪነት ምዝገባ ካርድን ግብሪ ከፋሊ ወረቀት ምስክር ቲን ናምበር

3 መቅረባይነት ምስክር ወረቀት ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ምዝገባ ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዲክለር ዝገበርሉ መረዳእታ

4 መኸበሪ ጨረታ 10000 ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ዘቅርቡ ኮይኖም ብጥረ ገንዘብ ብባንኪ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ

5 ተጫረቲ እቲ ፕሮጀክት ኣብ 160 መዓልትታት ወዲኡ ዘረክብ

6 ተጫረቲ ብቤት ፅሕፈት  ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ ኢሮብ ዝተዛጋጀወ ሰነድ ጨረታ 250 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ዕለት 27/03/2012 ጀሚሩ ምዉሳድ ይክእሉ

7 ተጫረቲ ዋጋ ዝመልእዎ ሓደ ዋና ክልተ ቅዳሕን ጨረታ መኸበርን ብቤት ፅሕፈት ደኣንት ዉሕስና ምግብን ከተማ ን ብርኪ ትካል ዝገልፅ ጠቅላላ ዶክመንት ኣብ ዓብዮ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብቲ ልዕሊ ፖስታ ናይ ትካል ሽም ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ክሳብ 17/04/2012ዓ/ምሰዓት 3፡00 ምእታዉ ይክእሉ

8 እቲ ጨረታ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኮልቶም ኣብ ዝተረከብሉ 17/04/2012 ሰዓት 3፡00 ተዓፅዩ ሰዓት 3፡30 ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ወረዳ ኢሮብ ይክፈት

9 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዘ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ
ንተወሳኪ ሓበሬታ 03 43 45 01 78

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo