አብ አጎላዕ ዝርከብ ናይ ቴሌቶን ኮሚቴ ካብ ሕሰብ ዝኣከቦ ገንዘብ ተወሳኪ ህንፃ አብ ኣጉላዕ ከተማ 2ይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ንምህናፅ ተደሊዩ ኣሎ በዚ መሰረት አብ 2008 ዓ/ም ጠቅላላ ሰረቱን ናይ መጀመሪያ ሶላታ/slab/ ምስ መወዳእታ ስራሕቲ(finishing) ንመጀመሪያ ከስርሕ ይደሊ

ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ኣጉላዕ መተሓባበሪ ቴሊቶን
  • ማተሪያል እቲ ኮሚቴ ባዓሉ የቅርብ
  • ናይ ጉልበትን ፎረመወርክ ንክጫረት ስለዝደለየ

ነዚ ህንፃ ንምስራሕ ንደረጃ ሸሞንተ BC/GC 8ን ልዕሊኡን ፍቓድ ስራሕ ዘለዎም ኮንስትራክሽ ንሕብረት ሽርክና ማሕበርን ኮንስትራክሽን ተቋራጭ ይዕድም ተጫረቲ ንምስታፍ እዞም ስዒቦም ዝተገለፁ ረቋሒታት ከማልኡ ይግባእ

1 ካብ ቤት ፅሕፈት ከ/ል/ን/ኢ አብ 2008 ዓ/ም ዝተዉሃቦም ዘተሐደሰ ብርኪ ስራሕ ትካል ዝገልፅ ሰርቲፊኬት ንግዲ ፍቐድን ከቅርቡ ዝክእሉ

2 አብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን ትራንስፖርትን ዝርከብ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ ኮንስትራኽሽን ቁፅፅርን ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ዘቅርብ

3 ናይ VAT ምዝገባ ወረቐት ምስክር ከቅርቡ ዝክእሉ ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ዲክለር ከቅርቡ ዝክእል

4 ብር 3000.00 (ሰለስተተ ሽሕ) ብር ናይ ጨረታ መክብሪ ካብ ዝተፈለጠ ናይ መድሕን ዉሕስና ትካል ወይ ባንኪ ብዝዉሃብ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ከቅርቡ ዝክእሉ

5 ናይ ባዕሉ ፎርም ዉርክ ከቅርብ ዝክእል

6 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ናይ ህንፃ ፕሮጀክት ስራሕቲ ሳይት ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 90 (ተስዓ) ተኸታታሊ መዓልቲታት ዛዚሞም ከረክቡ አለዎም

7 ኩሎም ተጫረቲ ክጫረትሉ ናይ ዝደልይዎ ጨረታ ሰነድ ካብ ዕለት 20/03/2008 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ወረዳ ክልተ አዉላዕሎ ቤት ፅሕፈት ከልንኢንዱስተሪ ጨንፈር ኣጉላዕ ቢሮ ቁፅሪ ኣድላዩ መረዳእታ ብምሓዝ ዘይምለስ ብር 100 (ሚኢቲ ብር) ብምክፋል ክገዝኡ ይኽእሉ

8 ተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ህንፃ ፕሮጀክት ፋይናንሻል ዋጋ ዝሐዘ ሐደ ዋናን ክልተ ኮፒን ናይ ጨረታን ዉሕስናን ሰነዳት አበ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ዓሺጎም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ኦርጅናልን ወይ ኮፒ ተባሂሉ ክፅሓፎን ኩሎም ፖስታታት ኣብ ካሊእ ዓብዩ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ አብ ወረዳ ክልተ

9 ተጫረቲ አብቲ ጨረታ ሰነድ ኩሎም ዝቐረቡ ቅጥዒታት ብትኽክል መሊኦኩም እቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከየጓኩም ከቕርቡ አለዎም ዝተጓን ብትክክል ዘይተመልአን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዩ

10  እቶም ጨረታ ኩሎም ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ዕለት 05/04/ 2008 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 8:30 ድሕሪ ቀትሪ አብቢሮ ቁፅሪ  ክክፈት እዩ

11 እቲ ኮሚቴ ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

12 ንተወሳኪ ሐበሬታ ወረዳ ክልተ ኣዉላዕሎ ቤት ፅሕፈት ከልንኢንዱስትሪ ጨንፈር ቢሮ ቁፅሪ ብአካል ብምቕራብ ወይ ድማ

ብቁፅሪ ስለኪ 0914783243 ብምድዋል ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo