ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም አብ 2008 በጀት ዓመተ ንግልጋሎት ኣብያቲ ፅሕፈት ወረዳና ዝዉዕሉ ዝተፋላለዩ ዓይነት ንብረት መሳርሒ ፅሕፈት ፣መለዋወጢ ኣቁሑት መኪና ፣ ዝተፈላለዩ መፃሕፍትን፣ ፎቶ ካሜራ ፣ብቦጥ ማይ ናብ ጣብያ ምጉዕዓዝን፣ ዘርእን እንትኮኑ ኣወዳዲሩ ብግልፂ ጨረታ ክዕድግን ከስርሕን የደሊ በዚመሰረት ቀፂሎም ዝግለፁ ረቋሕታት እተማልኡ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ይዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ አፈሹም

ብድጋሜ ዝወፀ ጨረታ

  1. ዝተሓደሰ መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ፣በቲ ዘፈር ዝተሓደሰ ናይ 2008 ዓ ም ፍቃድ ንግዲ   ፣ንመለዋወጢ አቁሑት መኪና ፣ፎቶ ካሜራን ምዝገባ ቫት  ፣ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሒሳብ ዘፍለጠሉ ወይ ዲክላራሽን ከምኡዉን ዝተሓደሰ ወረቀት ምስክር መቅረባይነት
  2. ንሰነድ ጨረታ  ዘይምለስ 50 ቅርሺ ብምክፋል ኣብ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስነ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም ምዉሳድ ይከኣል
  3. መክበሪ ጨረታ ናይ ፅሕፈት መሳርሕን መለዋወጢ መኪና ንፎቶ ካሜራ  ንማይ መጎዓዓዚ መኪና 5000 ቅርሺ፣ ንኣቁሑት ሕክምናን ዝተፈላለዩ መፅሓፍትን ዘርእን 3000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይእዉን ብሲፒኦ ካብ ዝተፈለጠ ባንኪ ብዝወሃበ ዝተረጋገፀ ቼክ ተጫረቲ ከትሕዙ ኣለኩም
  4. ሳነዱቅ ጨረታ ዝርከበሉ ቦታ ቤት ፀሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ጋንታ ኣፈሹም  እንትከዉን ጨረታ ካብ ዝወፀሉ ዕለት 21 ሕዳር 2008 ዓም ጀሚሩ ንተጨረቲ ክፍቲ ይከዉን
  5. ጨረታ 11 ታሕሳስ 2008 ዓ ም ሰዓት 8 ፡00 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡30 ናይ ድሕሪ ቀትሪ ተጫረቲ ወይዉን ሕጋዊ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት
  6. ሰነድ ጨረታ ዝተዳለወሉ ቋንቋ ትግርኛ እዩ
  7. እቲ ናይ ጨረታ መዓልቲ በዓል እንተዉዒሉ ኣብ ዝቅፅል መዓልቲ እቲ ጨረታ ይካየድ
  8. ተጫረቲ ናይ ዘቅርብዎ ንብረት ክፍሊት ንክፍፀም ዘቅርብዎ ንብረት ብባዓል ሞያ ተረጋጊፁ ምስሓለፈ ይከዉን

ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይንድማ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0344451137 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo