ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ኣቅሑት መሳርሒ ፅሕፈት፣ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሕታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ

1 ናይ ዘበኑ ግብሪ ዝኸልኩምን ናይ 2012ዓ/ም ዝተሓደሰ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩምን ንነብሲ ወከፍ ሎት በቲ ዘፈር ዝተመዝገበ፣

2 መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ከቅርቡ ዝኽእሉ ናይ መቅረባይነት ወረቀት ምስክር ክተቅርቡ ትኽእሉ፤

3 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ እዋኑ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ፀብፃብ ዝገበርሉ መረዳእታ እውን ከቅርብ ይግባእ፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 50.00 ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ኣገልግሎት ዕደጋ እናመፃእኹም ምውሳድ ትኽእሉ፤

5 ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ ዝተዓሸገ ክሳብ 03/04/2012ዓ/ም ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ምእታው ይከኣል።

6 እቲ ጨረታ 03/04/2011ዓ/ም ሰዓት 8:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8:45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ዘለውሉ ብኣካል ዘየለው እውን ዝተማልአ ሰነድ ብምቅራብ ይከፈተለይ እንተይሎም ይኽፈት።

7 መከበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረ ገንዘብ ወይ ድማ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል፤

8 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሓሸ መማረፂ እንተረኺቡ እቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0345-540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo