ኣብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ክልል ትግራይ ን 2008 በጀት ዓመት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ብርክት ዘበሉ ቀወምቲ ኣቕሑት፣ ኤለክትሮኒክስ ከምሰርቪስ ፣ ኮምፒተራትን ላፕቶፕ: ፕሪንተራት ፣ ቢመር ዝአመሰሉ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክገዝእ ይደለይ ስለዚ ዝምልከተኩም ትካላት በዚ ዝስዕብ ረቁሓ መሰረት ክትወዳደሩ ይዕድም::

በዓል መዚ ልማዓት እቶት ትግራይ
  1. ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈልኩም ንግዲ ፈቃድ ዝሐደስኩምን::
  2. ተጫረቲ ቫት ምምዝጋቦም መለለዩ /ቲን/ ኣብ መቅረባይ  ዘተመዝገቡ ምካኖም ናይ  ወርሒ ጥቅምቲ ቫት ዝኸፈለሉ / ድክለራሽን/መረዳእታ  ከቅርቡ  ዝክእሉ ክኾኑ  አለዎም::
  3. ተጫረቲ  ናይ መክበሪ ጨረታ  ብጥረ ገንዘብ ወይ ብኢትዩያ ንግዲ ባንክ ካብ ዝተፈለጠ ንግዲ ባንኪ ብዝተረጋገፀ CPO ወይ ቼክ 100,000 (ሚኢቲ ሽሕ) ቅርሺ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ ይግባእ
  4.   ዝርዝር መምርሒ ጨረታን ሰነድ ጨረታን  ዝሐዘን ዘይምለስ  ንሕድሕድ  ደኩመንት ብር 50.00  /ሓምሳ ቅርሺ /ብምክፋል  አብ በዓል መዚ ልምዓት እቶት ደጋፊ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን  ክፍሊ ቁፅሪ 4, 5 ምዉሳድ ይከኣል
  5.  ሰነድ ጨረታ ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምድላዉ  እዚ ምልክታ ጨረታ  ካበ ዝተጋወሐሉ  ዕለት 21 /03/2008 ዓም  ጀሚሩ  ክሳብ  05/ 04/ 2008 ዓም ሰዓት 6 ፡00 ኣበ ስራሕ ሰዓት ብኣካል ብምምፃእ ንጨረታ አብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ብምአታዉ ትወዳደሩ  ትክእሉ::
  6.  እቲ  ጨረታ ዝዕፀወሉ  ዕለት 05/ 04/ 2008 ዓ/ም  ሰዓት 6:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት  8:00  ድሕሪ  ቀትሪ  ተጫረቲ  ወይ  ሕጋዊ  ወኪሎም ኣበ ዝተረኸበሉ  ኣብ ባዓል መዚ ልምዓት  እቶት  ይኽፈት ::
  7. ጨረታ ምሻጥ ዝጅመረሉ ብጋዜጣ አዲስ ዘመን ካብ ዝወፀሉ 21/ 03/ 2008   ዓም  ጀሚሩ ክሳብ 05/ 04/ 2008 ዓም ኣብ ሰራሕ ሰዓት ንጨረታ ኣብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ብምእታዉ ክትወዳደሩ ይዕድም
  8. ባዓል መዚ ልምዓት እቶት  ዝሐሸ  መማረፂ  እንተረኪቡ  እቲ ጨረታ  ብሙሉእ ይኹን  ብክፋል  ናይ  ምስራዝ  መሰሉ  ዘተሐለወ  አዩ::

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ  034440 18 75 ደዊልኩም  ምጥያቅ  ትእኽሉ

NB  ኣደራሻና  ዓዲ ሓቂ ናይ ማሕበር ጉድአት ኩናት ህንፃ  3 ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 5  ጥቃ  ደደቢት ማክሮ ፋይናንስ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo