ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ኣብ 2012 በጀት ዓመት ንቤት ፅሕፈት ሓለዋ ጥዕና ግልጋሎት ዝዉዕሉ ዝተፈላለዩ ፣ መሳርሒ ህንፃ ፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ ጀነሬተር ፣ ካብ ሕጋዉያን መቅረብቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈትን ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት

1 ናይ 2012ን ዓ/ም ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቓድን ናይ መቅረብቲ ምስክር ወረቀት ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ መለለይ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ወረቀት ምስክር ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል:

3 ናይ ወርሒጥቅምቲ 2012 ዓ/ም ተወሳኪ እሴት ታክስ ድክለሬሽን ዠገበረሉ ዋናን ቅዳሕን ከቅርብ ዝክእል

4 ነቲ ዝካየድ ጨረታ መኸበሪ ዝዉዕል ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መሳርሒ ህንፃ 8000.00 ቅርሺ ፣ ኤሌክትሮኒክስ 2000.00 ቅርሺ  ፣ ጀነሬተር 1000.00ሽሕ ቅርሺ ብ ጥረገንዘብ ወይ CPO ወይከዓ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከትሕዙ ዝኽእሉ::

5 ሰዓራይ ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ከቅርብ ዝክእል ናይ ዘሸነፎ ንብረት 10 ሚኢታዊ ኣትሒዙ ዉዕሊ ክኣስር ዝከእል

6 ሰነድ ጨረታ ካብ ዕለት 16/03/2012 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 01/04/2012 ዓ/ም ኣብ ዘሎ ናይ ስራሕ መዓልትን ሰዓትን ዘይምለስ 100.00 ቅርሺ ብምክፋል ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር እናወሰዱ ሐደ ኦርጀናልን ክልተ ኮፒን ዋጋ ዝተመልአ ጥራሕ በበይኖም ብፖስታ ዓሺጎም ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ተፃሒፉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ወልቃይት ከይዲ ስራሕ ዕዳጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ናብ ዝተዳለወ ሳፁን ከእትዉ አለዎም ፡፡

5 እቲ ጨረታ 01/04/2012 ዓም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ተጫረቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይኽፈት፤

6 ቤት ፅሕፈትና ካብዚ ወፃኢ ካሊእ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንተወሳኪ ሓበሬታ 0913331379ብሞባይል 0918034591 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo