ቢሮ ጉ/መ/ስፖርትን ክልል ትግራይ ኣብ 2008 ዓ/ም ብናይ UNSPA በጀት ንመናእሰይ መዘናግዒ ማእኸላት ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ዝተፈላለዩ ቓሚ ንብረት ፣ ኤሌክትሮኒክስ ፣ናይ ስፖርት ናዉቲ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደሊ

ቢሮ ጉዳይ መናእሰይን ስፖርትን

1 ንዚ ጨረታ ዝተዳለወ ሰነድ ኣብ ቢሮ ጉ /መንእሰይ ስፖርትን ክልል ትግራይ ኣብ ናይ ሓባር ሕንፃ ብሎክ 1 ምድሪ ቤት ቑፅሪ 23 ብምምፃእ ንሕድሕድ 30.00 ብር ብምኽፋል ሰነድ ምዉሳድ ይካኣል::

2  ተጫረቲ ናይ ጨረታ መክበሪ ብር 3,000 .00ሰለስተ ሽሕ ብር ብጥረ ገንዘብ ወይድማ ብCPO ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ከቅርቡ አለዎም::

3 ተጫረቲ ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝኸፈልሉን ናይ 2008 ዓ/ም ፈቓድ ዘሐደሱን ቫት ሬጅስትር ዝኾኑን በቢወርሑ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ናይ ካብ ግብሪ አካቢ ኣካል ዝኸፈሉ ምኻኖም መረዳእታን መለለይ መቅረባይ ሰርትፊኬት ከቅርቡ ዝኽእሉን::

4 ጨረታ ዕላዊ ካብ ዝኾነሉ ዕለት 21/3/2008 ዓ/ም  እስካብ  ዕለት 6/4/2008  ዝፀንሕ ኮይኑ ብተመሳሳሊ ዕለት 6/4/2008 ዓም ናይ ድሕሪ ቀትሪ 8 ፡00 ተዓፅዮ 6/ 4/ 2008 ዓም  ተጫራታይ ወይ ሕጋዊ  ወኪላቶም ኣብ ዝተረኸብሉ ሰዓት  8:30  ድ/ቀትሪ ኣብ ብሎክ  1 ቢሮ ቁፅሪ 23 ይኽፈት ::

5 እቲ ጨረታ ሰነድ ብፖስታ ብምዕሻግ ናብቲ ናይ ጨረታ ሳጥን ከእትዉ  አለዎም እቲ ጨረታ ፀኒኡ ዝፀንሐሉ ን45 መዓልቲ ይኸዉን::

6 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ከይዲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo