ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽ መንገድን መጓዓዝያን ከተማ ዉቅሮ ከይዲ ስራሕ መንገድን ምዕባለን ምምሕዳርን ኣብ ናይ 2012 በጀት ዓመት ኣብ ዞባ ምብራቅ ከተማ ዉቅሮ ኣብ ጣብያ ሓየሎም ካብ ወ/ሮ ሰናይት ክሳብ መንገዲ ኣስፋልት ፀፀር መንገዲ ምስ መሰረት ልምዓት ምስ ተፋሰሱ ንምስራሕ RC/ GC 7 ልዕሊኡ ብርኪ ፍቃድ ዘለዎም ስራሕ ተካናተርቲ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ዉቅሮ

1 ናይ 2012 ዓ/ ም ናይ ስራሕ ግብሪ ዝከፈልኩም ፍቃድ ዘሐደስሉን መረዳእታን ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ ዝርከብ ቀንዲ ከይዲ ስራሕ ኮንስትራክሽንን ቁፅፅርን ምዝገባን ፍቃድንዝተመዝገብኩምሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል

2 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝተመዝገብሉ ምስክር ወረቀት ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ ሒሳበ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ዘለዎም

3 ናይ ጨረታ ዉሕስና ካብ ዝተፈላለዩ ናይ መድሕን ዉሕስና ትካል ወይንድማ ካብ ባንኪ ብዝተዉሃቦ ዝተረጋገፀ ቼክ120000 ከቅርቡ ኣለዎም

4 ንተጫረቲ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ወይንም ስራሕቲ ዉዕሊ ካብ ዝፈፀምሉ ጀሚሮመ ኣብ ዉሽጢ180 ተከታተልቲ መዓልትታት ዉሽጢ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም

5 ኩሎም ተጫረቲ ሰነድ ጨረታ ካብ 08/03/2012ዓ ም ጀሚሮ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስርሕ መንገድን ምዕባለን ምምሕዳርን ኣድላዩ መረዳእታታት ብምሓዝ ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ክዕድጉ ይክእሉ እዮም

6 ተጫረቲ ናይ ዝጫረትዎ ዋጋ ሰነድ ሓደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን ምስናይ ጨረታ ዉሕስና ዝሓዙ ሰነዳት ኣበ ዝተፈላለዩ ፖስታታት ምስዓሸገጉ ኮሎም ፖስታታት ኣብ ካልእ ዓብዮ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ናይ ዝጫረትዎ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፓስታ ብማርከር ብምፅሓፍ ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስርሕ መንገድን ምዕባለን ምምሕዳርን ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ ክሰብ 08/04/2012 ሰዓት 3 ፡00 ድሕሪ ቀትሪ ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ይክእሉ እዮም

7 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝቀረቡ ሰነድ ቅጥዕታት ብትክክል ክመልኡን ኣብ ሕድሕድ ገፅ እቲ ሰነድ ፊሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እቲ ሰነድ እንተይኣዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽወጥ ዝነበረ ከይጎደለ ከቅርቡ ኣለዎም ዝጎደለ ብትክክል ዘይተመለአን ቅደም ሰዓብ ዝተዛበዐን ናይ ጨረታ ሰነድ ካብ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዮ

8 እቲ ጨረታ ኩሎም ተጨረቲ ወይንድማ ሕጋዊ ወከልተቶመ ኣብ ዝተረከብሉ 08/04/2012 ዓ ም ልክስ ሰዓት 3፡30 ይክፈት

9 እቲ ከይኪዲ ስራሕ ዝሐሸመማረፂ እነተረኪቡ ነዚ ጨረታ ብሙሉእ ኮነ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

10 ንተወሳኪ ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ከተማ ዉቅሮ ዝርከብ ከይዲ ስርሕ መንገድን ምዕባለን ምምሕዳርን ብኣካል ብምርካብ ወይንድማ ብቁፅሪ ስልኪ 0344431142 ደዊልካ ምሕታት ይካአል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo