ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ ንአብያተ ፅሕፈታት ግልጋሎት ዝዉዕል ዕድጊት ህንፃ መሳርሒ: ኤሌክትሮኒከስ :ናይ ሚኒባስ ክራይን : መፅሓፍቲ ምግዛእን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግን ግልጋሎት ክረክብን ስለዝደሊ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ መቐለ

ተጫረቲ ከማልእዎ ዝግባእ ሮቋሕታት

1 ዝተሐደሰ ንግዲ ፍቃድን ናይ መቅረባይ ምስክር ወረቅት ወይድማ ቲን ናምበር ዘለዎ ተወሳኬ እሴት ታክስ ተመዝገበቲ ዝኮኑን ናይ ወርሒ ጥቅምቲ ሒሳብ ዘፍልጥሉ መረዳታ ከቅርቡ ዝክእሉን

2 መፅሓፍቲ ንምቅራብ ተወሳከ እሴት ታክስ አይግደድን

3 ን ሚኒባስ ክራይ መኪና ምክራይ ፍቃድ ዘለዎ

4 ዝተዳለወ ሰነድ ጨረታ ካብቲ ቤት ፅሕፈት ፋይናንስን ምምሕዳርን ንብረትን ካብ  14 ሕዳር 2008 ዓም ጀሚሩ 50.00 ብር ብምክፋል ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ይካአል

5 መክበሪ ጨረታ ንህንፃ መሳርሒ 16000 (ዓሰርተ ሽድሽተ ሽሕ ) ቅርሺ ንኤሌክትሮኒክስ 5000 (ሐሙሽተ ሽሕ ቅርሺ) ንሚኒባስ ክራይን መፅሓፍቲን 3000 (ሰለሰተ ሽሕ ቅርሺ) ብሲፒኦ ወይ ድማ ብጥረ ገንዘብ ወይድማ አብ ቅድመ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ   ዉሕስና ከትሕዝ ዝክእል

6 ጨረታ ዝዕፀወሉ 29 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 830 ድሕሪ ሰዓት ተዓፅዩ 29 ሕዳር 2008 ዓም አብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዝተረከብሉ ይክፈት ተጫረቲ ብዘይ ምርካቦም ከይዲ ጨረታ አይተኣጎጎልን

7 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ሐደ ኦርጅናልን ሐደ ኮፒ ብዝተዓሸገ ፖስታ ክቅርብ ዝክእል

8 እቲ ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ብሙሉእ ይኹን ብኸፋል ናይ ምስራዝ  መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ኣድራሻና ኣጋአዚ ኦፕረሽን ህንፃ ድሕሪ እንዳ ማርያም ቤተ ክርስትያን ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ቁፅሪ 34 እዩ

 ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344406839/408501 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ትኽእሉ

ናይቲ ጨረታ መዕፀዉን ምክፈትን ኣብ በዓል እንተዊዒሉ ኣብ ዝቅፅል ናይ ስራሕ መዓልቲ ይከዉን

 

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo