ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ አብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ን ከተማ ዓ/ዓዲ ግልጋሎት ዝዉዕል ፣ ናይ ኤሌክትሮኒክስ ፣ ጀነሬተራት ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብዮ ዓዲ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፈቓድ ዘለኩምን ኣብ 2012 ዓ/ም ዘሐደስኩም

2 እቲ ጨረታ ናይ በዓል ዋና ሕጋዊ ማህተምን ፊርማን ክህልዎ አለዎ ::

3 መለለይ ካርዲ መቅረባይነት ዝተውሃቦ ወረቀት ምስክር ተወሳኪ እሴት ታክስ ዘለኩም፤ ናይ ወርሒ መስከረም2012ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ ትክእሉ፤

4 ናይ መለለይ ካርድ ዘለኩምን ዘሐደስኩምን::

5 ንጨረታ መክበሪ ንሕድሕድ 5000.00 ቅርሺ ብ CPO ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዝ ዝኽእል ::

6 ንሐደ ደክመንት ዘይምለሰ 50.00 ብር ብምክፋል ካብ ቤት ፅ/ትት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ከ/ስራሕ ዕ/ፋ/ን/ምም/ር ክፍሊ ቁፅሪ 6 ብምግዛእ ክጫረቱ ዝክእል::

7 ሰነድ ጨረታ ካብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ምልክታ ካብ ዝተጠቀዐሉ ዕለት ጀሚሩ ብምዉሳድ ናይ መወዳደሪ ዋጋኹም ብምምላእ ኩሎም ዝተጠቐሱ አድለይቲ ኮፒን ኦርጅናልን ነንበይኑ ኣብ ፖስታ ብምዕሻግ ኣብ ልዕሊ እቲ ሰነድ ጨረታን ዝተዓሸገ ፖስታን ናይ በዓል ዋና ማህተምን ፊርማን ብምፅሓፍ ኣብ ቤት ፅ/ት ት/ፋ/ን ከተማ ዓ/ዓዲ ዝተዳለወ ሳንዱቕ ጨረታ ንክትእትዉን ንክትወዳደሩ ነተሓሳስብ፤

8 ምልክታ ኣብ አየር ዝፀንሐሉ ካበ ዕለት ካብ 05/03/2012 ዓ/ም ክሳብ 26/03/2012 ዓ/ም እንትከዉን 4:00 ናይ ንጉሆ::

9 ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕሽገሉ ዕለት 26/03/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ናይ ንጉሆ::

10 ሳንዱቅ ጨረታ ዝክፈተሉ ዕለት 26/03/2012 ዓ/ም ሰዓት 4:30 ናይ ንጉሆ ኣብ ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓብይ ዓዲ ኣብ ቅድሚ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወኪሎም

11 ቤት ፅ/ትና ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙለእ ወይ ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

12 እቲ ዝሰዓርክምዎ ዝርዝር ንብረት ናብ ቤት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓ/ዓዲ ናይ መጓዓዝያ ሓዊሱ ዘቅረብ፤

13 ኣብቲ ዝወፀ ስፔስፊኬሽን ወይ መግለፂ ምንካይ ወይ ምቅያር ምስራዝን ኣይፈቀድን።

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብቑፅሪታት ስልኪ 0344-460058 /1121 ብምድዋል ይሕተቱ::

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo