መሓሪ ፀጋይ ቴክኒክን ሞያን ኮሌጅ ኣፅቢ ኤሌክትሮኒክስ ICT ፣መሳርሒ ፅሕፈት፣መሳርሒ ህንፃ፣ ፣መሳርሒ ዕንፀይቲ/መሳርሒ ጣውላ/፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑ፣ ናይ ሕተመት መሳርሒ፣ ሓፂን መፂን ፣ ስፖርት ዕጥቂ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ፅሬት ኣቅሑ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ። ስለዚ ነዞም ረቋሒታት እተማልኡ ነጋዶ ንክትወዳደሩ ንዕድም።

ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን መሓሪ ፀጋይ ኣፅቢ

1 ናይ 2012 ዝተሓደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቓድን መቕረብቲ ሰርትፍኬትን ቅዳሕ ከቅርብ ዝኽእል

2 ናይ መለለይ ቁፅሪ / Tin/ ን VAT ንሰርቲፊኬት ኮፒ ንከቅርብ ዝኽእል

3 ተወሳኺ አሴት ታክስ ተመዝጋቢ ዝኾነን ተወሳኺ እሴት ታክስ ዘመዝገብሉ መረዳእታ ከቅርብ ዝኽእል ኣብ ግብሪ ኸፋላይ ዝተመዝገቡን ናይ ወርሒመስከረም 2012ዓ/ም ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝኽእሉ፤

4 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ሰነድ መኸበሪ ንነብሲ ወከፍ ሰነድ ጨረታ ንኣቑሑት ኤሌክትሮኒክስ 4000.00 ቅርሺ፣ መሳርሒ ፅሕፈት 3000.00 ቅርሺ ፣ ህንፃ መሳርሒ 3000.00 ፣ጣውላ 3000.00 ፣ ኤሌትሪክ ኣቅሑ 4000፣ ሕትመት 1000፣ ሓፂን መፂን 3000፣ ስፖርት ዕጥቂ 2000፣ ኤሌክትሮኒክስ ፅገና 2000 ፣ ፅሬት ኣቅሑ 1000ሽሕ ቅርሺ ከትሕዙ ኣለዎም።

5 ተጫረቲ ብናይ ባዕሎም መፅዓኒን መራገፊን ናብ ወረዳ ኣፅቢ ወንበርታ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርቲ ስልጠና መሓሪ ፀጋይ ኣፅቢ ከቅርቡ ኣለዎም።

6 ኣብዚ ጨረታ ዝሳተፍ ተጫራታይ ነናይባዕሉ ዘፈር ዘለዎ ከከውን ኣለዎ፡፡

7 ናይ መወዳደሪ ሰነድ ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ናይቲ ትካል ሽምን ማህተምን ፊርማን ዘለዎ ክኸውን ይግባእ።

8 እቲ ጨረታ ኮነ ኢሉ ዘዛብዕ ከጭበርብር ዝፈተነ ካብቲ ጨረታ ክወፅእ ተገይሩ ዘትሓዞ መከበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።ዝደንገጎ ብሕጊ ተሓታቲ ይከዉን

9 ተጫረቲ ድሕሪ ሰነድ ጨረታ ኣይወዳደርን ምባል ኣይከኣልን እንተይሎም ውን ዘትሓዝዎ ሰነድ ጨረታ ኣይምለሰሎምን።

10 ሰነድ ጨረታ ኣብ ዝባኑ ዋናን ቅዳሕን ተባሂሉ ክፀሓፈሉ ኣለዎ ዋጋ ፀኒዑ ዝፀንሓሉ ግዜ 15 መዓልቲ ይኸውን።

11 ሰነድ ዝሽየጠሉ ካብ 08/03/2012 ዓ/ም -23/03/2011 ዓ/ም ኮይኑ ካብ ቤት ፅሕፈት ከይዲ ሰራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ምም/ር ንብረትን ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ትምህርቲ ስልጠና መሓሪ ፀጋይ 50.00 ቅርሺ እናኸፈልካ ሰነድ ጨረታ ምዕዳግ ይከኣል።

12 እቲ ጨረታ 23/03/2012 ዓ/ምሰዓት 4:30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ሰዓት 5:00 ተጫራቲ ወይከዓ ሕጋዊ ወከልቶም አብ ዘለዉሉ ይክፈት::

13 ቢሮና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኺ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0343-400345 ምሕታትይከአልእዩ።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo