ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ኣብታ ወረዳ ጣቢያ ኣዳመይቲ ቁሸት ሰላሞ ንዝኳዓት ዓሟቅ ጉድጎድ መስተ ማይ ከምእዉን ኣብ ጣብያ ዓዲ ኣዉዓላ ንዝስራሕ ማይ ንምጉላባት ስራሕቲ ንደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ዝኮንኩም ፣ ኣብ ወረደኡ ዝርከባ ማእከለዎት ተሽከርከርቲ መካይን ፅገና፣ ኮምፒተርን መለዋወጢ ኣቅሑ ኮምፒታርን ፣ ናይ ደረቕ ፅዕነት መቕረብቲ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከስርሕን ክዕድግን ይደሊ።

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ

1 ተጫረቲ ብናይ ደረጃ 6ተን ልዕሊኡን ናይ ዓሟቅ ማይ ኳዓቲ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም

2 ናይ ማእከለዎት ተሽከርከርቲ ፅጋና ጋራጅ ፍቃድ ንግዲ ናይ ደረቕ ፅዕነት ፍቃድ ንግዲ ፍቃድ ንግዲ : ናይ ደርቅ ፅዕነት ፈቃድ ንግዲ

3 ናይ 2010 ዓም ናይ መንግስቲ ግብሪ ዝከፈሉ ናይ 2011 ንግዲ ፍቃድ ዝሐደሱን ተጫረቲ ኣብ ዝርዝር መቅረባይነተ ዝተመዝገብኩምን ናይ መቅረባይነት መለለይ ወረቀት ምስክር ግብሪ ዘመን ዝከፈሉን

4  ንናይ ማይ ኳዕቲ ኮንትራክተር ፣ኮምፒተርን መለዋወጢ ኣቅሑ ኮምፒታርን  ተጫረቲ ጥራሕ ተወሳኪ እሴት ታክስ ተመዝገብቲ ዝኮንኩም ተወሳኪ እሴት ታክስ ድክሊር ዝገብርክምሉ ናይ ወርሒ መስከረም ፀብፃብ ክተቅርቡ እትክእሉ

5 ንናይ ማይ ኳዕቲ ኮንትራክተር ጥራሕ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ 15001 ከምእዉን ናይ ጋርጅ ፅገና ን ኮምፒተርን መለዋወጢ ኣቅሑ ኮምፒታርን  : ናይ ደርቅ ፅዕነት መጎዓዝያ መቅረብቲ ጨረታ መከበሪ ቢድ ቦንድ ብጥረ ገንዝብ ወይ ብ ባንኪ ዝተረጋገፀ ቼክ ስፒኦ 5000 ቅርሺ መከብሪ ጨረታ ቅድሚ እቲ ጨረታ ምክፋቱ ከትሕዙ አለዎም

6 እዚ ምልክታ ጨረታ ካብ 28 ጥቅምቲ  2012 ዓም ክሳብ 18 ሕዳር ኣብ አየር ይፀንሕ

7 ሰንድ ጨረታ ተጫረቲ ካብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ታሕታ ኣዱያቦ ከይዲ ስራሕ ዕደጋ ፋይናንስን ሕሕዳር ንብረትን ክወስዱ ትክእሉ

8 ናይ ማእኮሎት መኪና ፅገና ጋራጅ::ኮምፒተርን መለዋወጢ ኣቅሑ ኮምፒታርን   : ናይ ደርቅ ፅዕንት መጎዓዝቲ መቅረብቲ ጨረታ 18 ሕዳር  ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

9 ን ዓሟቅ ጎድጎድ ኳዓቲ ተጫረቲ ጥራሕ ቴክኒካል መለክዒ ጨረታ ሐደ ዋናን ክልተ ቅዳሕን በቢ በየኑ ኣብ ፖስታ ተዓሺጉ ማሕተም ተገይርዎ ሽምን ኣድራሻን ናይ ተጫራታይ ኣብ ልዕሊ እቲ ፖስታ ተፃሒፍሉ ኣብ ሐደ ዓብይ ፖስታ ክኣትዉ ብምግባር ሽምን አድራሻን ተገይርሉ ኣብ ዝተዳለወ ናይ ቴክኒክ መለክዒ ሳንዱቅ ጨረታ ብምእታዉ እቲ ቴክኒካል ጨረታ ድማ 18 ሕዳር 2012 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ በቲ ዕለት ሰዓት 18 ሕዳር 2012 ዓም ሰዓት 4:30 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተከብሉ ይክፈት

10 ናይ ዓሟቅ ጎድጎድ ኳዓቲ ፋይናንሻል ጨረታ ሰንድ 18 ሕዳር 2012 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተዓፅዩ ድሕሪ ሰለስተ ናይ ቴክኒካል ጨረታ ዉድድር ቅሬታ መዓልቲ 22 ሕዳር 2012 ዓም ሰዓት 4:00 ቅድሚ ቀትሪ ተጫረቲ ወይ ወኪላቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት

11 ጨረታ ምስተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቅረብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብቲ ጨረታ ንነብሶም ምግጋል ኣይከኣልን

12 ተጫረቲ ሲዒርካ ተባሂሉ ካብ ዝተነገሮም ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 3 መዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእልን ጨረታ ሰዓራይ ምካኑ ምስተፈለጠ ኣብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ መጠን ገንዝብ 10 ሚእታዊ መክበሪ ዉዕሊ ከትሕዝ ዝክእል

13 ተጫራታይ ስዓራይ ምካኑ እንተፈሊጡ ዉዕሊ ካብ ዝአሰረሉ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ስርሑ ክጅምር ይክእል

14 እቲ ቤት ፅሕፈት ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ወይ ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0345500231

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo