ኣብ ክፍለ ከተማ 1ይ ወያነ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ኣብ ዉሽጡ ንዝርከቡ ሴክተራት ን 2012 ዓ/ም ግልጋሎት ዝዉዕል ናይ ኤሌክትሮኒክስን ፣ ፈርኒቸርን ኣቅሑ፣ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ስለዝደለየ ሕጋዉያን ነጋዶ ክትወዳደሩ ንዕድም

ክፍለ ከተማ ቀዳማይ ወያነ ቤት ፅሕፈት ቤት ትልምን ፋይናንስን

1 ናይ ዘመኑ ግብሪ ዝኸፈሉ ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ ፣ ቲን ኣብ መቕረብቲ ዝተመዝገብሉ መረጋገፂ ዘቕርብ ናይ ቫት መወዳእታ ወርሓዊ ሪፖርትን ብትካሎም ዝወፀ ኣካዉንት ናምበር ዘቅርቡን

2 ዝተዓሸገ ፖስታ ገይሮም 1 ኦጅናል ዶክመንትን 2ተ ፎቶ ኮፒን ከቅርብ ዝክእሉን ናይ ትካሎም ማህተም ዝዓረፎ ፖስታ ዘቕርቡ

3 ሰነድ ጨረታ መዐደጊ በር 50.00 ሓምሳ ቅርሺ

4 ጨረታ ዝዕፀወሉን ዕለት ምልክታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ዕለት 05/03/2012 ሰዐት 8፡30 ተዓፅዩ ጨረታ ዝኽፈተሉን ድማ በቲ ዕለት 05/03/2012 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 የክፈት እዚ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ዝተዳለወ ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ዝከኣል ምካኑ

5 ጨረታ መኸበሪ 3000.00 ብር

5 ቤት ፅሕፈት ነቲጨረታ ብክፋል ይኵን ብመሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

6 ሰነድ ጨረታ ኣብ ከይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳር ኣብ ስራሕ ሰዓት እንዳመፃኩም ክትወስዱ ትክእሉ ምካኑኩም ንሕብር

7 ኣድራሻና ኣብ ክፍለ ከተማ ቐደማይ ወያነ ቤት ፅ/ት ትልምን ፋይናንስን ከባቢ ጀቡሩክ 1ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 14 እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0342 40 51 23 / 09 37 02 35 98 ደዊልካ መብርሂ ምሕታት ይካኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo