ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓድዋ ኣብ 2008 በጀት ዓመት ካብ ዝተመደበልና በጀት ንሴክተራት ግልጋሎት ዝዉዕል ዝተፈላለዩ ናይ ኤለክትሪክ ኣቁሑት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዓድዋ

በዚ መሰረት

  1. ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለዎ
  2. በቲ ንግዲ ዘርፊ ናይ 2008 ዓም በጀት ዓመት ዘሐደሰ
  3. ቲን ቁፅሪ ዝተመዝገበ ክወዳደር ይክእል
  4. እቲ ጨረታ ካብ ዝታወሐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ከተማ ዓድዋ ዕደጋ ፋይናንስን ንብረት ምምሕዳርን  ዘይምለሰ 100 ቅርሺ እነዳከፈልኩም ናይ ጨረታ ሰነድ ምዉሳድ ትክእሉ
  5. ቫት ወይ ኣብ ተወሳኪ እሴት ዝተመዝገበን ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ዲክላራሽን ዘቅርብ
  6. ቲን ዝተመዝገበን ምካኑ መረጋገፂ ምስክር ወረቀት ከቅርብ ዝክእል
  7. ናይ ጨረታ መክበሪ ቢድቦንድ 10,000 ብር ብጥረ ገንዘብ ወይ ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሰርቲፋይድ ቼክ ከትሕዝ ዝክእል
  8. ኣብ ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ዝተዉሃበ ናይ መቅረባይነት ሰርትፍኬት  ናይ 2008 ዓም ዝተሓደሰ ኮይነ ድሕሪ ዉዕሊ ምእሳሩ ብናይ ባዕሉ መጋዕዝያ ናብ ከተማ ዓድዋ  ትልምን ፋይናንስነ  ከቅርብ ዝክእል
  9. እቲ ጨረታ ካብ 13 ሕዳር 2008 ዓም ጀሚሩ ክሳብ 27 ሕዳር 2008 ዓመ ሰዓት 3፡ 00 ናብ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ  ሳንዱቅ በቲ ዕለት ሰዓት 3፡ 30 ተዓሺጉ  በቲ ዝተጠቀሰ  ዕለት ድማ  27 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 4፡00 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከበሉ ይክፈት
  10. ጨረታ ሰነድ ፀኒዑ ዝፀንሐሉ ግዘ ካብ 25 መዓልትታት ዘይበልፅ ዩ
  11. ተጫረቲ ንዝተቅርብዎ ንብረት ዉሕስና ክህብ ዝክእል እቲ ዝሰዓርዎ ንብረት ድማ መጀመርታ መርኣያ  ሳምፕል ከቅርብ ዝክእል
  12. እቲ ቤት ፅሕፈት  ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 03471374ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo