ቤት ፅሕፈትና ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ ኣብ በጀት ዓመት 2012 ዓ/ም ንኣብያተ ፅሕፈት ከተማና ግልጋሎት ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ፈርኒቸራት ፣ ሞተር ሳይክል ፣ ብግልፂ ጨረታ አወዳዲሩ ክዕድግ ይድሊ።በዚ መሰረት ኣብዚ ጨረታ ክትወዳደሩ እትኽእሉ ሕጋውያን

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ከተማ ዉቅሮ

1 ሕጋዊ ናይ በቢዘርፉ ኣቅርቦት ንግዲ ፍቃድ ዘለኩምን አብዚ በጀ ዓመት ዘሐደስኩምን ወይ ድማ ግብሪ ዝከፈልኩምን

2 ናይግብሪከፋሊመለለይቁፅሪ /ቲን/ ካርድን : ናይ ቫት ምስክር ወረቀት ዘለኩም: ዝተሐደሰ ናይ 2012 ዓም ናይ መቅረባይነት ካርድ ዘለኩምን ናይ ዝሐለፈ ወርሒ ነሓሰ 2011 ዓም ዲክለሬሽን ክተቅርቡ እትክእሉ

3 ንሐደ ደከሜንት ዘይምለስ ብር 50.00 /ሓምሳ/ ብምክፋል እቲ ጨረታ ሰነድ ካብ ቤት ፅሕፈትና ካይዲ ስራሕ ዕደጋን ፋይነናንስንን ብረት ምምሕዳር ቢሮ ቁፅሪ 4 ኣብ 1ይ ደብሪ ብምዉሳድ ዝቐረበሉ ዋጋ ብምምላእ ካብ ዕለት 14/02/2012 ዓ/ም ክሳብ ዕለት 01/03/2012 ዓ/ም ዋንኡን ኮፒን በበይኑ ብዝተዓሸገ ኢንቨሎፕ ብምምፃእ ነዚተባሂሉ ዝተዳለወ ናይ ጨረታ ሳፁን ምእታዉ ይከኣል

4 ሳንዱቅ ጨረታ 01/02/2011 ዓ/ም ሰዓት 4:00 ተዓሺጉ በቲ ዕለትሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብዘለዉሉ ይክፈት እነተዘይሃልዩም ኣብዉሽጢ ሳንዱቅ ዝተረከበ ፖስታ ብስርዓት ይክፈትን ይግምገምን

5 ተጫረቲ ቅድሚ ጨረታ ምክፋቱ መከበሪ ጨረታ ዝከዉን በሲፒኦ ወይ 5000 ቅርሺ ክትሕዙ ይግባእ

6 ተጫረቲ ዘቕረብዎ ናይ መወዳደሪ ጨረታ ሰነድ ማህተምን ፊርማን በዓል ዋና እንተዘይሃልይዎን ስርዝ ድልዝ እንተኾይኑን ተቐባልነት ኣይህልዎን።

7 ሰዓራይ ኮይኑ ዝተረኸበ ተጫራቲ ኣብ ውሽጢ 3 ናይ ስራሕ መዓልቲ ውዕሊ እንተዘይኣሲሩ ዘትሐዞ መኸበሪ ጨረታ ተወሪሱ ናብ መንግስቲ ካዝና ኣታዊ ይኸውን።

7 ቤት ፅሕፈትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብክፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ

ንተወሳኪሓበሬታብስቁ 0344-430083 ምሕታትይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo