ን 2ይ ግዜ ዝወፀ ምልክታ ጨረታ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ነቲ ቢሮ ግልጋሎት ዝዉዕሉ ናይ ዓበይትን ኣናእሽተይን መካይን ፅገና ኣጎልግሎት፣ ናይ ካፍተርያን ሬስትራንትን ካብ ሕጋውያን ነጋዶ ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ከዕድግ ይደሊ፤

ኢንተርፕይዝ ስራሕቲ መንገዲ ትግራይ

1 ናይዚ ዘመን 2012ዓ/ም በቲ ዘርፊ ናይ ዘመን ዝተሓደሰን ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም፣

2 ናይ ግብሪ ከፋላይ መለሊ ቁፅሪ ዝተመዝገበኩምሉ ቲን ሰርቲፍኬት ክተቅርቡ ትክእሉ፤

3 ናይ ዘመን ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት ዘለኩም፤

4 ናይ ተወሳኪ እሴት ታክስ VAT ዝተመዝገበን ናይዚ ዓመት ግብሪ ዝከፈልኩምን ናይ ዝከፈሎ ናይ ወርሒመስከረም 2012 ዓ/ም ድክለረሽን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

5 ተጫረቲ ዘይምለስ 50.00 ቅርሺ እናከፈልኩም ካብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገዲ መጋዓዝያን ክልል ትግራይ ዳ/ዕ/ፋ/ም/ንብረትን ኣብ ሓበራዊ ህንፃ 3ይ ደብሪ ቢሮ ቁፅሪ 171 ካብ 17/02/2012ዓ/ም ክሳብ 02/03/2012ዓ/ም ሰዓት 4:00 ኣብ ናይ ስራሕ ሰዓት እናመፃእኩም ናብ ዝተዓሸገ ሳንዱቅ ጨረታ ፖስታኩም ክተእትው ኣለኩም፤

6 ተጫረቲ ናይ ጨረታ ዉሕስና መክበሪ 10000.00 ቅርሺ ብ ሲፒኦ(CPO) ወይ ድማ ናይ ባንኪ ወሕስና ዝተረጋገፀ ቼክ ወይ ብጥረ ገንዘብ ከትሕዙ ይክእሉ፤

7 እቲ ጨረታ 02/03/2012 ዓ/ም ልክዕ ሰዓት 4:00 ተዓፅዩ ኣብቲ ዕለት ሰዓት 4:30 ኣብ ቢሮ ኮንስትራክሽን መንገድን መጓዓዝያን ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋ/ ንብ/ምም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ተወከልቶም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ሳልሳይ ደብሪ ቁፅሪ 171 ይክፈት :: ተጫረቲ ወይ ተወከልቶም እንተዘይተረኪቦም እቲ ጨረታ ንምክፋት ኣይታዓናቐፍን፤

8 ጨረታ ሰዓራይ ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ድሕሪ 3ተ ናይ ቅሬታ ማዓልቲ ኣብ ዉሽጢ 3 ናይ ስራሕ ማዓልቲ ዉዕሊ ክኣስር ዝክእል፤

9 ካብ ጠቅላላ ዝሰዓሮ ዋጋ 10 ሚእታዊ ብባንኪ ብዝተረጋገፀ ስፒኦ ኣብ ኩነታት ዘይተመስረተ ናይ ባንኪ ዉሕስና ወይ ብጥረ ገንዝብ መከበሪ ዉዕሊ ዉሕስና የትሕዝ፤

10 መወዳደደሪ ደኩሜንት ስርዝ ድልዝ ዘይብሉ ብዝተዓሸገ ፖስታ ናይቲ ትካል ሽምን ኣድራሻን ማህተምን ፌርማን ክህልዎ አለዎ፤

11 እቲ ቢሮ ዝሐሸ መማረፂ እነተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብክፋል ወይ ድማ ብምሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ፤

ንዝበለፀ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-411052 ደዊልኩም ምሕታት ይካኣል፤

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo