ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣብ ዋና ቤት ፅሕፈትና ዝርከቡ ኣብ ዝተፈላለዩ ብርኪ ደረጃ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ንብረታት ማለት እዉን ናይ ቢሮ ኣቅሑት ፣ ናይ ግድግዳ ቀለማት ፣ ሳኒተሪ ኣቅሑት፣ ዝተፈላለዩ መጠን ዘለዎምናይ ዱንካናት ብረታትን ሻራታትን ፣ ኤሌክትሮኒክስኸ ሞተር ሳይክልን ካልኦት ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ

ማሕበር መናእስይ ትግራይ

1 ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ናይዚ ዘመኑ ዝተሐደሰ ሕጋዊ ንግዲ ፍቃድ ዘለኩም ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::

2 ናይ ግብሪ ከፋሊ መለለይ ቑፅሪ /ቲን ናምበር ዘለዎ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒን ዘቕርብ::

3 ናይ ቫት ወይ ቲኦቲ እንተኮይኖም ቫት ዝተመዝገብኩምሉ ሰርተፊኬት ናይዚ ወርሒ ዲክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ዘይምለስ ፎቶ ኮፒ ዘቅርብ፤

4 መክበሪ ጨረታ ብር 5000.00 ስፒኦ ሕጋዉነቱ ካብ ዝተረጋገፀ ባንኪ ናብ ናይ ጨረታ ሳንዱቕ ምሰቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ከእቲ ዝክእል::

5 ጨረታ ዝጋወሐሉ ዕለት 11/02/2012 ዓ/ም ኮይኑ ጨረታ ዝዕፀወሉ ዕለት 25/02/2012 ዓ/ም ሰዓት 9፡00 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ልክዕ ሰዓት 9፡30 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ኣብ ማሕበር መናእሳይ ትግራይ ይኽፈት፡፡

6 ሰነድ ጨረታን ዝርዝር አፈፃፅማ እቲ ገምጋምን ካብ ማሕበር መናእሰይ ቢሮ ቑፅሪ 12 ፋ/ምም/ር ካብ ካሸር 100.00 ብር እንኸፈልኩም ኣብ ስራሕ ሰዓት ክተወስዱ ከም እትኽአሉ እናገለፅና ካብ ሎሚ ዕለት 11/02/2012 ክሳብ ዕለት 25/02/2012 ሽም፣ ኣድራሻ ፌርማ፣ ማህተምን ብምግባር ነብዚ ተባሂሉ ናብ ዝተዳለወ ሳንዱቅ አታዊ ይግበሩ::

7 ተጫራቲ ሳዓራይ ምዃኑ ካብ ዝተገለፀሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ውዕሊ ክኣስር ኣለዎ፡፡

8 ታጫራቲ ውዕሊ ምስ ኣሰረ ዝሰዓሮም ንብረታት ኣብ ውሽጢ 3 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ ትራንስፖርት ናብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር መናእሰይ ትግራይ ኣታዊ ክገብር ኣለዎ፡፡

9 አብዚ ጨረታ ከጭበርብር ዝሞከረ ነጋዳይ ካብ ጨረታ ዉጭ ከምዝከዉን ንጨረታ መኸበሪ ዘትሐዞ ገንዘብ ናብ ካዝና ኣተዊ ኮይኑ ኣብ ካልኣት ጨረታ ከምዘይሳተፍን ብሕጊ ዉን ተሐታቲ ምኮኑ ክፈልጥ አለዎ፡፡

10 አሸናፊ ዝኮነ ነጋዳይ 2% ዊዝሆልዲንግ ዝኸፍል ቫት ድማ ብመምርሒ መሰረት ይፍፀም ::

11 መ/ቤትና ዝሐሸ መማረፂ እንተረኪቡ እቲ ጨረታ ብመሉእ ይኹን ብኽፋል ናይ ምሰራዝ መሰሉ ዝተሐለወ እዩ::

12 ኣብ ቀበሌ 03 ዝርከብ ዋና ቤት ፅሕፈት ማሕበር መናእሰይ ኣታዊ ዝገብር

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስ.ቁፅሪ 0344-409730 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo