ቤት መዘጋጃ ከተማ ማይ ፀብሪ ኣብ በጀት ዓመት 2012ዓ/ም ግልጋሎት ዝዉዕል መሳርሒ ፅሕፈት ፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ መሳርሒ ህንፃ ፣ ኣቅሑት ሓፂን መፂን ናይ ቢሮ ፣ ብሽኪሌታን ፣ ዉፂኢት ሕትመትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ፡፡ ክትጫረቱ ይዕድም፡፡

ቤት መዘጋጃ ማይ ፀብሪ

1 ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲን ምስክር ወረቀት መለለይ ቁፅሪ ከፋላይ ግብሪ ዘለዎ፣ኣብ ናይ መቅረብቲ ዝርዝር ዝተመዝገበን መረዳእታ ከቅርብ ዝክእል፤

2 ተመዝጋቢ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮነን ናይ ወርሒ ነሓሰ 2011ዓ/ም ሒሳብ ዝፍለጠሉ መረዳእታ ዘቅርብ፤

3 ተጫረቲ መከበሪ ጨረታ 3000.00 ሽሕ ቅርሺ ብሲፒኦ ወይ ብጥረገንዘብ ከትሕዝ ዝክእል፤

4 ሰነድ ጨረታ ዘይምለስ 100 ቅርሺ ከፊልካ ካብ ቤት መዘጋጃ ከተማ ማይ ፀብሪ ቢሮ ቁፅሪ 3 ኣብ ስራሕ ሰዓት ምዉሳድ ይከኣል፤

5 ሰዓራይ ጨረታ እቲ ንብረት ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ናብ ወረዳ ፀለምቲ ቤት መዘጋጃ ከተማ ማይ ፀብሪ ከቅርብ ዝክእል ፤

6 ዋና ጨረታ ሰነድን ነቲ ምሉእ ሰነድ ቅዳሕ ብምግባር ኣብ ሐደ ፖስታ ዝተዓሸገ ናብ ጨረታ ሳንዱቅ አታዊ ክግበር አለዎ፡፡

7 እቲ ጨረታ ካብ ዝተጋወሐሉ ዕለት12/02/2012ዓ/ም  ጀሚሩ ክሳብ 25/02/2012 ዓም ዝፀንሕ ኮይኑ በቲ ዕለት ሰዓት 4፡00 ተዓፅዩ ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 4:30 ተጫረቲ ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ እንተዘይሃልዉ እዉን ጨረታ ሕጊ ዘማልአ እንተኮይኑ ይክፈት፡፡

8 እቲ ቤት ዕዩ ካብ ተጫረቲ ብበዝሒ ንብረት መጠን 20 ሚእታዊ ክዉስክ ወይ ክቅንስ ይክእል እዩ፡፡

9 እቲ ቤት ዕዩ ዝሓሸ መማረፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብዉስን ወይ ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሐበሬታ ብቁፅሪ ስልኪ 0346-620279 /ደዊልካ ምሕታት ይከኣል፡

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo