ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምርን ንግልጋሎት ኣብያተ ፅሕፈት ዝዉዕል ኤለክትሮኒክስ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ

ስለዚ ክትጫረቱ እትደልዩ ተወዳደርቲ ካብዚ ቀፂሎም ዝተዘርዘሩ ረቀሕታት ክተማልኡ አለኩም

  1. ናይ ዘበኑ ግብሪ ዝከፈልኩም ዝተሓደሰ ናይ 2008 ዓም ሕጋዊ ፍቃድ ንግዲ ዘለኩም
  2. ቲን ነምበር ዝተሓደሰ ናይ መቅረባይነት ወረቀት መስክር ዘለኩም
  3. ተመዝገብቲ ተወሳኪ እሴት ታክስ ዝኮንኩምን ናይ እዋኑ ዲክለር ዝገበርኩምሉ መረዳእታ ክተቅርቡ እትክእሉ
  4. መክበሪ ጨረታ 5000 ቅርሺ ብጥረገንዘብ ወይድማ ብ ሲፒኦ ጥራሕ ክተትሕዙ እትክእሉ
  5. ሰነድ ጨረታ ካብ 9 ሕዳር 2008 ዓም ክሳበ 25 ሕዳር 2008 ዓም ዘይምለስ 100 ቅርሺ ብምክፋል ካብ   ቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ክፍሊ ግልጋሎት ዕዳጋ  እናመፀፃእኩም ክትወስዱ ትክእሉ
  6. ሰነድ ጨረታ ዋናን ቅዳሕን ብፖስታ  ዓሺግኩም ክሳብ 25 ሕዳር 2008 ዓም ናብ  ናቤት ፅሕፈት ትልምን ፋይናንስን ወረዳ ሳሓርቲ ሳምረ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ጨረታ ምእታዉ ትክእሉ
  7. እቲ ጨረታ 25 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 8 ፡30 ተዓፅዩ ብተመሳሳሊ ዕለት ሰዓት 8 ፡45 ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ይክፈት ከምኡዉን ዝተማለአ ሰነድ እነተቅሪቡ ይክፈት
  8. ዝኮኑ ይኩን ተጫራታይ መምርሒ ጨረታ ኣካል ዉዕሊ ምካኑ ፈሊጡ ክቀርብ ኣለዎ
  9. እቲ ቤት ፅሕፈት  ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0345540333 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo