ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ክዉገዱ ዝበሎም ናዉቲ ማለት እዉን ዘገልገሉን ዘየገልገሉን መለዋወጢ ኣቅሑት መኪና ፣ ዝተፈላለዩ መፃሕፍቲ፣ ኤሌክተሮኒክስ፣ ካልኦት ናዉትን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክሸይጥ ይደሊ

ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ

1ሰነድ ጨረታ አብ ቢሮ ትምህርቲ ክልል ትግራይ ቀደማይ ደብሪ ዳይሬክቶሬት ዕደጋ ፋይናንስን ምምሕዳር ንብረትን ቢሮ ቁፅሪ 12 እንትከዉን ዋጋ መሸጣ ሰነድ ንሕድሕድ ዘይምለሰ 30.00 ቅርሺ ብምክፋል ምዉሳድ ይከኣል።

2 ሰነድ ጨረታ ክሳብ ሳንዱቅ ጨረታ ዝዕፀወሉ 04/02/2012 ዓ/ም ክሳብ 19/02/2012ዓ/ም ሰዓት 3:30 ኩሉሻብ ኣብስራሕ ሰዓት ይከዉን ።

3 ጨረታ 19/02/2012ዓ/ም ሰዓት 3፡45 ተዓፅዩ በዚ ዕለት ሰዓት 4:00 ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝተረከብሉ ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ይክፈት።

4 መከበሪ ጨረታ 5000.00 ሽሕ ቅርሺ ብስፒኦ ከትሕዝ ይግባእ።

5 ጨረታ ሰዓራይ ጨረታ ምዃኑ ብደብደቤ ካብ ዝተገለፁሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ዉሽጢ 30 መዓልቲ ብናይ ባዕሉ መጋዓዝያ ከልዕል ዝክእል

6ዝኮነ ተጫራታይ ብዛዕባ እቲ ሰነድ ጨረታ ካልእን መብረሂ ዘድልዩ እንተኮይኑ ብፅሑፍ ጥራይ ምሕታት ይክእል።

7 እቲ ቢሮ ዝሐሸ አማራፂ እንተረኪቡ ነቲ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ ዝተሐለወ እዩ፡፡

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስልኪ ቁፅሪ 0344-403477/0344408299 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል።

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo