ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ዕ/ፋይ/ምም/ር ንማእኸልና ግልጋሎት ዝውዕሉ ፅሕፈት መሳርሒ፣ ፅሬት መሳርሒ፣ ሕትመት፣ ኤሌክትሮኒክስ፣ ቀዋሚ ናይ ቢሮ ኣቅሑት (ናይ ቢሮ ፈርኒቸር)፣ ህንፃ መሳርሒ፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቅሑት፣ ናይ መኪና መጋየፂ፣ ናይ ጀነሬተር ስፔር ፓርት፣ ናይ ኤግዝቭሽን ድንኳን ኣቅሑት፣ ናይ ኣዳራሽ ጨርቅን መጋረጃን ብግልፂ ጨረታ ኣወዳዲሩ ክዕድግ ይደሊ።

ማእከል ሐወልቲ ሰማእታት ትግራይ

1 ናይ 2011ዓ/ም ዝተሓደሰ ንግዲ ፍቃድ፣ መለለይ ግብሪ ከፋልነት (tin no)፣ መቅረባይነት ሰርቲፊኬት፣ ናይ ተወሳኺ እሴት ታክስ (ቫት) ዝተመዝገብሉ ሰርቲፊኬትን ናይ መስከረም ወርሒ ቫት ዲክለሬሽን ዘቅርቡ፤

2 ናይ ጨረታ መኸበሪ ሲፒኦ ናይ ፅሕፈት መሳርሒ ብር 4000.00 (ኣርባዕተ ሽሐ ብር) ናይ ፅሬት መሳርሕን ሕትመትን ንሕድሕድ 3000.00 (ሰለስተ ሽሕ ብር)፣ ኤሌክትሮኒክስ ኤሌክትሪክን ህንፃ መሳርሒን 5000.00 (ሓሙሽተ ሽሕ ብር)፣ናይ ቢሮ ኣቅሑት (ፈርኒቸር) ናይ መኪና መጋየፂ ናይ ጀነሬተር ስፔር ፓርት ንሕድሕድ ብር 1000.00 (ሓደ ሽሕ ብር) ፣ ናይ ኤግዚቭሽን ድንኳን ኣቅሑት 16000.00 (ዓሰርተ ሽድሽተ ሽሕ ብር) ብባንኪ ዝተረጋገፀ ሲፒኦ ብሽም ማእኸልና ከትሕዙ ዝኽእሉ፤

3 ንሕድሕድ ዓይነት ዘርፊ ጨረታ ካብ ማእኸልና ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ቢሮ ቁፀሪ 04 ዘይምለስ ብር 30.00 ቅርሺ ጥራሕ ከፊሎም እዚ ምልክታ ከብ ዝወፀኣሉ ዕለት 29/01/2012 ዓ/ም ክሳብ 13/02/2012ዓ/ም ሰዓት 3:30 ናይ ንግሆ ኣብ ዘሎ ስራሕ ሰዓት ዓዲጎም ነፀላን ጠቅላላ ዋጋን ምስ ቫቱ ሓዊሶም ብዝተዓሸገ ፖስታ ብምግባር ኦርጅናልን ኮፒን ነንበይኑ ብምዕሻግ ናይ ትካሎም ማህተም ብምግባር ናብ ዝተዳለወ ጨረታ ሳንዱቅ ኣታዊ ይገበሩ።

4 ጨረታ ሳንዱቅ ዝርከበሉ ቦታ ኣብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ክልል ትግራይ ደ/ከ/ስ/ፋይ/ም/ር ንበረትን ቢሮ ቁፅሪ 07 ይኸውን።

5 ጨረታ ምስ ተከፈተ ተጫረቲ ኣብ ዘቕብዎ ናይ መወዳደሪ ሓሳብ ለዉጢ ወይ ምምሕያሽ ምግባርን ካብ ጨረታ ነብስካ ምግላልን አይክእሉን

6 ጨረታ ዕለት 13/02/2012 ዓ/ም ሰዓት 3:30 ተዓሺጉ በቲ ዕለት ሰዓት 3:45 ቅድሚ ቀትሪ ኮይኑ ተወዳደርቲ ባዕሎም ወይ ሕጋዊ ወኪሎም ኣብ ዘለዉሉ ይከፈት ብዘይ ምርካቦም ከይዲ ጨረታ ኣይተኣጎጎልን።

7 ተጫረቲ ኣብ ጨረታ ዝተቐመጡ ነጥብታት ግልፂ እንተዘይኮይንሎም መብርሂ ወይ መማሓየሺ ሕቶ ከቕርቡ ዝክእሉ ጨረታ ዝኽፈተሉን እዋን ቅድሚ ምብፅሑ ይኸዉን

8 እቲ ከይዲ ሰራሕ ጨረታ ምስተኸፈተ ከም ኣድላይነቱ ናይቲ ዝግዛእ መጠን ንብረት ክሳብ 25% ክውስኽ ወይ ክንኪ ይኽእል።

9 ጨረታ ዝሰዓረ ኣብ ጊዜ ውዕሊ ካብቲ ዝሰዓሮ ጠቅላላ ዋጋ 10 % ከትሕዝ ዝኽእል፤

10 ዘሸንፍዎ ንብረት መቅረብቲ ብናይ ባዕሎም ናይ ትራንስፖርት ወፃኢ ናብ ማእኸል ሓወልቲ ሰማእታት ኣታዊ ክገብሩ ዝኽእሉ፤

11 ማእኸልና እዚ ጨረታ ዘየዋፅእ እንተኾይኑ ብኽፋል ይኹን ብሙሉእ ናይ ምስራዝ መሰል አለዎ

ንተወሳኪ ሓበሬታ ብስቁ 0342-400058 ደዊልኩም ምሕታት ትኽእሉ

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo