ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መጋዕዝያን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ኣብ ናይ 2008 በጀት ዓመት ዋንነቱ ናይ ፍርያት ኦፍላ ናይ ገንዘብ ዕቋርን ልቃሕን ሓ ዝተ ዉ ማሕ ዝኮነ ንግልጋሎት ቤት ፅሕፈትን ባንክን ዝዉዕል G+2 ህንፃ ኣብ ከተማ ኮረም ዝሰርሕ ብደረጃ BC GC 7 ልዕሊኡን ብርኪ ፍቃድ ዘለዎም ስራሕ ተኮናተርቲ ኣጫሪቱ ከስርሕ ይደሊ

ቤት ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ወረዳ ኦፍላ

ከማልእዎ ዝግባእ

  1. ዝተሓደሰ ፍቃድ ስራሕ 2008 ዓም ከቅርቡ ዝክእሉ
  2. መረዳእታ መቅረባይነት ከቀርቡ ዝክእሉ
  3. መረዳእታ ወረቀት ምዝገባ ኮንስተራክሽን ዘለዎም
  4. መረዳእታ ተወሳኪ እሴት ታክስ ከቅርቡ ዝክእሉ
  5. ናይ ዝሓለፈ ወርሒ ሒሳብ ዘፍለጥሉ መረዳት ከቅርቡ ዝክእሉ
  6. መረዳት መለለዩ ቁፅሪ ከፈልቲ ግብሪ ዘለዎም
  7. ኣብ ቢሮ ኮንስተራክሽንን መንገድን መጋዕዝያን ክልል ትግራይ ዋና ከይዲ ስራሕ ኮንስትራክሽንን ቁፅፅርን ምዝገባ ፍቃድን ናይ 2008 ዓም ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ወይ ካብ ካልእ ክልላት ወይድማ ፌደራል ኮንስትራክሽን ሚኒስቴር ዝተመዝገብሉ መረዳእታ ከቅርቡ ዝክእሉ
  8. መክበሪ ጨረታ ካብ ባንኪ ብዝተረጋገፀ ቼክ ማለት ዉን ሲፒኦ 250,000 ቅርሺ ከቅርቡ ኣለዎም
  9. ተጫረቲ ካብ ዝተረከብሉ ዕለት ጀሚሮም ኣብ ዉሽጢ 480 ተከታተልቲ ናይ ስራሕ መዓልቲ ሙሉእ ብሙሉእ ዛዚሞም ከረክቡ ኣለዎም
  10. ሰነድ ጨረታ ካብ ሕዳር 3 2008 ዓም ጀሚሩ ካብ ቤት  ፅሕፈት ኮንስትራክሽንን መጋዕዝያን ወረዳ ኦፍላ ከይዲ ስራሕ ህንፃ ዲዛይንን ኮንስትራክሽንን ክፍሊ ቁፅሪ 37 ኣድላይ መረዳእታ ብምሓዝ ዘይምለስ 300 ቅርሺ ብምክፋል ክገዝኡ ይክእሉ
  11. ተጫረቲ መረዳእታ ናየ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ፋይናንሻል ዋጋ ሓደ ዋና ምስ ቅዳሕ ሰነዳት ክልተ ቅዳሕ ምስ ክልተሰነዳት ቅዳሕ ኣብ ነፍስወከፍ ቅዳሕ ከምኡዉን ናይ ጨረታ ዉሕስና ኣብ ዝተፋላለዩ ፖስታታት ምስዓሸጉ ኩሉም ፖስታታት ኣብ ካልእ ዓብዩ ፖስታ መሊሶም ብምዕሻግ ናይቲ ዝጫረትሉ ፕሮጀክት ሽም ኣብ ልዕሊ እቲ ዓብዩ ፖስታ ብማርከር ብምፅሓፍ  ነቲ ጨረታ ተባሂሉ ኣብ ክፍሊ ቁፅሪ 37 ናብ ዝተዳለወ ሳነዱቅ ክሳብ 20 ሕዳር 2008 ዓም ሰዓት 3፡ 00 ናይ ቅድሚ ቀትሪ  ብኣካል ብምምፃእ ከእትዉ ኣለዎም
  12. ተጫረቲ ኣብቲ ናይ ጨረታ ሰነድ ዝቀርብ ቅጥዕታት ብትክክል መሊኦም ኣብ ነፍስወከፍ ገፅ ፈሪሞምን ሓቲሞምን ቅደም ሰዓብ እት ሰነድ እንተይዛብዑ እቲ ሰነድ ከምቲ ክሽየጥ ተሎ ዝነበረ ከይጉደሉ ከቅርብ አለዎም
  13. ዝተጋደለ ብትክክል ዘይተመልአ ቅደም ሰዓብ ዝተዛብዐን ስርዝ ድልዝ ዘለዎ ካብቲ ጨረታ ወፃኢ የግብር እዩ
  14. እቲ ጨረታ ኩሉም ተጫረቲ ወይድማ ሕጋዊ ወከልቶም ኣብ ዝትረከብሉ 20 ሕዳር 2008 ዓም ልክዕ ሰዓት 3፡ 30 ናይ ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ክፍሊ ቁፅሪ 37 ክክፈት እዩ
  15. እቲ ከይዲ ስራሕ ዝሓሸ ኣመራፂ  እንተረኪቡ እዚ ጨረታ ብሙሉእ ይኩን ብክፋል ናይ ምስራዝ መሰሉ ዝተሓለወ እዩ

ንተወሳኪ ሓበሬታ  ብቁፅሪ ስልኪ 0348510009 ደዊልካ ምሕታት ይከኣል

ስፖንስርታትና

The ways ideas spread.
Milkta Logo